እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕሬዝደንት ቱርኪ ኤርዶሃን፡ ርእሲ ሓይልታት ኩርዲ 'ክጭፍልቕ'የ' ኢሉ
ፕሬዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይፕ ኤርዶሃን፡ ሓይልታት ኩርዲ ካብቲ ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝርከብ 'ናጻ ዞባ' ክኸውን ዝሕሰብ ቦታ እንተዘይስሒቦም፡ ቱርኪ 'ርእሶም ክትጭፍልቖም' እያ ኢሉ።
ኩርዳውያን ሓይልታት ካብቲ ከባቢ ክስሕቡ መታን፡ ቱርኪ ክተካይዶ ዝጸንሐት መጥቃዕቲ ንሓሙሽተ መዓልታት ክትገትኣሎም ብሓሙስ ተሰማሚዓ እያ።
እንተኾነ፡ ብቀዳም ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ብምጥሓስ፡ ሓድሕዶም ክካሰሱ ውዒሎም።
ፕሬዝደንት ቱርኪ ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ፡ ሓይልታት ኩርዲ ክሳብ ኣጋ ምሸት ሰሉስ ኣብ ዘሎ እዋን ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ከም ዝነበረ ብምግላጽ "ርእሲ ኣሸበርቲ ምጭፍላቕ፡ ካብቲ ደው ዘበልናዮ ክንቅጽል ኢና" ኢሉ።
መራሒ ቱርኪ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ምስ ሩሲያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን ክዝቲ ትጽቢት ይግበር። እቶም ዝካየዱ ዘተታት ፍረ እንተዘይ ኣፍሪዮም ግን፡ ቱርኪ "ናይ ባዕላ ትልሚ ግብራዊ ክትገብር'ያ" ክብል ተዛሪቡ።
ንሓይልታት ኩርዲ ከም ኣሸበርቲ እትርእዮም ቱርኪ፡ ኣብ ግዝኣት ሶርያ 'ናጻ ዞባ' ክትምስርት ትህቅን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዋላ'ኳ ግዚያዊ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ እንተተገበረ፡ ብፍላይ ኣብ ዶባዊት ከተማ ራስ ኣል-ኢን መጥቃዕቲ ቀጺሉ'ዩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ቱርኪ፡ ወተሃደራት ቱርኪ ነቲ ስምምዕ ኣኽቢሮም እንከለዉ፡ ሓይልታት ኩርዲ፡ ኣብዛ ከተማ 36 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ 14 'ተኹቶኽቲ' መጥቃዕታት ፈንዮም ክብል ይኸሶም።
ሓይልታት ኩርዲ ዝመርሑዎ 'ሓይልታት ዲሞክራሲ ሶርያ' ግን፡ ነቲ ስምምዕ ቱርኪ እያ ጥሒሳቶ ክብሉ ይኸሱ።
ኣብ እንግሊዝ ዝመደበሩ ተቖጻጻሪ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ፡ ናብታ ውግእ ይካየዳ ኣሎ ዝተብሃለት ከተማ ራስ ኣል-ኢን ዝበጽሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝተቛረጸ ይገልጽ።
ቅድሚ 10 መዓልቲ ኣቢሉ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅመር ንነዘ፡ ካብ 160 ሽሕ ክሳብ 300 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ ሓቢሩ።
ብትሸዓተ ጥቅምቲ 2019፡ ኣሜሪካ ኣብ ሶርያ ዝነበሩ ወተሃደራታ ክስሕቡ ምስ ኣዘዘት፡ ቱርኪ ኣንጻር ኣብ ሶርያ ዘለው ሓይልታት ኩርዲ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተት ይፍለጥ።