"ለማጽ ባንዴራ ሒዝኩም ኢሎም ምሕላፍ ከሊኦምና" ኣመንቲ ቢሸፍቱ

ምንጪ ስእሊ, Zewde
ትማሊ ኣብ ድሮ በዓል መስቀል ዝኽበር ዳመራ፡ 'ዘይተፈቐደ ባንዴራ ሒዝኩም ተባሂልና ምሕላፍ ተኸልኪልና' ክብሉ፡ ተገልገልቲ ኪዳነምህረት ቤተ ክርስትያን ከተማ ቢሾፍቱ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ጸሓፊ ቤተ ክህነት እታ ወረዳ፡ መጋቤ ጥበብ እውነቱ ጥላሁን፤ ቅድሚ እቲ ዕለተ፡ አከባብራ እቲ በዓል ዳመራ ብዝምልከት ምስ ምምሕዳር እታ ከተማ ንምዝርራብ ጻዕሪ እንተገበሩ'ኳ፡ ከይተስማምዑ ከምዝተፈላለዩ ተዛሪቦም።
እቲ ቅርሕንቲ ዝፈጠረ፡ 'ኮኾብ ዘይብሉ ለማጽ ባንዴራ' ምጥቃም ዝምልከት ከከምዝኾነ ወሲኸም ሓቢሮም።
እንተኾነ ድሕሪ እቲ ብዘየስማምዕ ዝተበተነ ኣኼባ፡ እቲ ከንቲባ ጸዊዑ፡ ይቕረታ ሓቲቱዎም ኣብ ዝተወሰነ ምርድዳእ በጺሖም ከምዝነበሩ ይዝክሩ።
ኣብ ቢሸፍቱ የቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተክርስቲያን ገበዝ ዝኾኑ፡ መላከ ሰላም አባ ሩፋኤል፡ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣብያተ ክርስትያናት፡ በዝወጽአሎም መደብ መሰረት፡ ናብቲ መስቀል አደባባይ ምምጸኦም ይዛረቡ።
እንተኾነ፡ ናይ ኪዳነምህረት ቤተክርስቲያን ሰንበት ተምሃሮ፡ እቲ ለማስ ባንዴራ ተኸዲኖም ብዝብል ምኽንያት፡ መናእሰይ እቲ ከባቢ ኣይነሕልፍን ኢሎም ከምዝኸልከሉዎም ኣሚኖም።

ምንጪ ስእሊ, Zewde
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል ማሕበር ሰንበት፡ ካብታ ቤተ ክረእስትያን 500 ሜትሮ ርሒቖም ምስ ወረዱ፡ ዝኾኑ መናእሰይ ፖሊስ ሒዞም እቶም እናዘመሩ እናኸዱ ዝነበሩ ምሕላፍ ዝኸልከሉዎም።
"እቲ ዝተኸደንዎ ኣልባሳት፡ ካብ ቀደሙ እንጥቀመሉ ዝነበረ እዩ። እቲ ቆቢዑ ኾነ እቲ ጥልፉ፡ ቀጠልያ፡ ቢጫ ቀይሕ እዩ። 'እዚ እንተዘይኣውጻእኽምዎ ኣይትሓልፉን' ኢሎምና"ኢሉ።
እታ ቤተ ክርስትያን ንዘመናት ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ከምዝኾነ ዝዛረብ እቲ ኣገልጋሊ፤ "እዚ ባንዴራ ናይ ኣብን ኢዜማን" ኢሎም ምስ ፖለቲካ ኣተኣሳሲሮም ይብሉ።
"ንዝሓለፈ 27 ዓመታት ተኸልኪልና ኣይንፈልጥን፤ እዚ ክስተት ሓድሽ ነገር እዩ" ድማ ኢሎም።
እቲ ኣማኒን ኣገልጋሊን ብዚ ምኽንያት ናብቲ መስቀል አደባባይ ክሕወስ ስለዘይከኣለ ተመሊሱ ናብቲ ቤተክርስትያን ከምዝኣተወ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ኣብቲ መስቀል አደባባይ ዝተረኽበ ኣማኒ ድማ፡ ናይ ኪዳነ ምህረት ምእመናን ከይመጽኡ እቲ ዳሜራ ኣይትኮስን ስለ ዝበለ፡ ከይተተኮሰ እቲ ህዝቢ ከምዝተበተነ ተዛሪቦም።
ኣብታ ከተማ ኣብ ካሊእ ቤተ ክርስትያን ድማ መናእሰይ ምስ ዝተኸደኑዎ ቲሸርት ተኣሳሲሩ ተመሳሳሊ ምሕላፍ ከምዝተኸልከሉ ምንጭታት ቢቢሲ ገሊጾም።
ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ሽዋ ፡ ሎሚ ንጎሆ ናብቲ ኣከባቢ ተንቀሳቒሶም ምስቲ ኣማኒ ከምዝዘተዩ ምፍላጥ ተኻኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







