ልዕሊ ሚኢቲ ዓይነታት ሕማም አእሙሮ ከምዘለዉ ንፈልጥ'ዶ?

ክኢላ ስነ ኣእምሮ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ

ምንጪ ስእሊ, Ferdinand Yowhans

መግለጺ ስእሊ, ክኢላ ስነ ኣእምሮ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ

ብነውጺ እተጠቕዐ ሓንጎል ረጊኡ ክሓስብን ስርሑ ከሰላስልን ኣይክእልን እዩ። ግን ንጭንቀት ዘህድእ፡ ነቲ ወጥሪ ዘረጋግእ መድሃኒት ኣለዎ። ኪኢላ ስነ ኣእምሮ ዮውሃንስ ፈርዲንናድ ካብ ነዊሕ ተመኩሮኡ ዝምንጩ መልእኽቲ ኣለዎ።

ሕማምት ስነ-አእሙሮ ብዙሕ እዩ። እቲ ዝተጸለኦ ሰብ ኣብ ሕክምና ቀሪቡ ግቡእ መርመራ ምስተገብረሉ ጥራሕ እዩ ዓይነት ሕማሙ ዝንጽር። ብሕክምና ጥራይ ኢኻ ክትፈልዮን ክትፍውሶን ትኽእል። ንኣብነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ካብ 16 ክሳብ 24 ጉጅለታት ዝጠቓለሉ ልዕሊ 300 ዓይነታት ሕማማት ኣእምሮ ኣለው።

እቲ ዝዓበየ ሕማም ኣእምሮ ስኪዞፍረንያ እዩ። እዚ ሕማም ብዝተፈላለየ መገዲ ክመጽእ ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብተወርሶ ይመጽእ። ካብ ዝተፈላለዩ ጸቕጥታት'ውን ክለዓል ይኽእል እዩ።

እቲ ፍልይ ዘበሎ ግና፡ ኣብ ዓለምና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ፡ 1 ሚኢታዊ እዚ ሕማም ኣለዎ። እዚ ሕማም ዘለዎ ሰብ ብግቡእ ኣይሓስብን። ነቲ ኣከባቢኡ ብኣሉታ ይርእዮ። ካብ ሕብረተሰብ ይንጸል።

ኣብ ኣተሓሳስብኡ እቶም ሓሙሽተ ሕዋሳት እንብሎም ስለዝዘናበሉ ዶፖሚን ላዕሊ ይድይብ። "እከለ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ፡ እከለ ጸላኢኻ እዩ፡ ክቐትሉኻ ይመጹ ኣለው" ወዘተ ዝብል ድምጺ'ውን ከም ዝሰምዑ ኪኢላ ሳይካትሪስት ዮውሃንስ ፈርዲንናድ ይገልጽ።

ሰባት፡ ካብ ህንጻታት ዝጸድፉ፡ ዝሕነቑ በዚ ምኽንያት እዮም። እዚ ሕማም ዝሓዞ ሰብ ዘይንቡር ጠባያት ይገብር። ኣብ ግዜ ክራማት ረቂቕ ክዳን ይኽደን። ኣብ ግዜ ሓጋይ (ሙቐት) ከኣ ረጒድ ክዳንን ኣሳእን ይኽደን። ምኽንያቱ እቲ ናይ ሙቐትን ናይ ዛሕልን ስምዒቱ ስለዝመውት እዩ።

ከምዚ ዓይነት ሕማም ዘለዎም ሃሉሲኔሽንሰ ዴሉዥንስ ማለት ምህትፍታፍ የርእዩ።

ስኪዞፍረንያ ዝቆጻጸሮ 'ምበር ምሉእ ብምሉእ ዝፍውሶ መድሃኒት የብሉን፤ ከምቲ ኣዝማ ዘለዎ ሰብ ኩሉ ጊዜ እቲ ዝንፋሕ መድሃኒት ኣዝማ 'ፓፈር' ክወስድ ኣለዎ። ሓደ ሽኮርያ ዘለዎ ሰብ ኢንሱሊን ድዩ ሜትፎርሚን ቀጻሊ ክወስዱ ዝግደዱ።

ኣብ ስኪዞፍረንያ ክንመጽእ ከሎና እቲ ሓደጋ ናቱ፡ 10% በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ነብሰ ቅትለት ይፍጽሙ። ኣብ'ቶም 30% እቲ ዕብዳን ወይ ሳይኮሲስ ሓደ ግዜ ጥራይ'ዩ ዘጋጥሞም።

30% ሕክምና እናተኸታተሉ ኣማኻሪ ወይ ካንስለር እናረኸቡ ከምቲ ካልእ ሰብ መዓልታዊ ህይወቶም የካይዱ። እቶም 30% ኣብቲ ግሩፕ ሆምስ ወይ ሳፖርቲቭ ሆምስ ኣብ መዕቆቢ ቦታ ይቕመጡ፤ ናብርኦም የካይዱ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዙሓት ካብቶም ግዳም ሓደር ወይ 'ሆም ለስ' እንብሎም፡ ስኪዞፍረንያ ዘለዎም ሰባት እዮም።

ናብ ህዝብና ምስ እንምለስ፡ ህዝብና ንስኪዞፍረንያ ከም ሕማም ኣይቅበሎን እዩ። መድሃኒት ምውሳድ ምክትታል ስለ ዘቋርጽ፡ መርፍእ ንህቦ። 'ብመርፍእ የጸልሉኻ እዮም' ዝብል ዘረባ ስለ ዘሎ፡ መርፍእ ኣብ ምውሳድ ፍርሒ ኣሎ። እዚ ግን ግጉይ እዩ።

መድሃኒት ብዝተፈላለየ ኣገባብ እዩ ዝወሃብ። ዝወሓጥ፡ ዝልከን ከኣ መርፍእ ዝውጋእ'ውን ኣሎ። ስለዚ ነቲ ሕማም ስነ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ከምዚ ዓይነት ግጉይ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ክንቁጠብ ይግባእ።

መዐገሲ ጭንቀት እትወስድ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢቢሲ - ምትእስሳር ስደትን ፓስት ትራውማቲክ ዲስኦርደርን (ሕማም ኣእምሮን) እንታይ እዩ?

ሎሚ ዓለምና ሓንቲ ቁሸት ኮይና ኣላ። ምስቲ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ክልተ ዓይነት ሰባት ናብ ምዕራብ ይመጹ ኣለው። ብእንግሊዝኛ immigrant ከምኡውን refugee ዝብል ቃላት ኣሎ። 'ረፉጂ' ክንብል እንከሎና፡ ስደተኛ ማለት እዩ። እቲ ኢሚግራንት ግና ብድልየቱ ካብ ሃገሩ ናብ ኤውሮጳ ድዩ ኣሜሪካ ድዩ፡ ካናዳ ዝመጽእ እዩ።

ሕጂ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ናይ ስደተኛን ኢሚግራንትን ዘሎ ፍልልይ፤ ሓደ እቲ ስደተኛ ብዘይ ድልየቱ ሃገሩ ሓዲጉ ዑቕባ ዝሓትት እዩ።

ንመጀመርታ ግዜ ኤርትራውያን ዝተሰደድናሉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ 1962 ኣብ መግዛእቲ ምስ ኣእተወትና፡ ቅንጸላ ርሸና ሞትን መሰጋጠመና እዩ።

ሃይለስላሰ ኣብ 1967 ኣብ ምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራ ዝባን ከበሳን ብሕልፊ ኣብ ምድረ ሳሆ ኣከለጉዛይ፡ ደንካልያ ሰምሃር ባርካ ሳሕል ሰንሒት፡ እቲ ዓድታት ኣንዲዱዎ እዩ። ብዙሕ ሰብ ተቐንጺሉ፡ እቲ ሰንቢዱ ዝሃደመ ከኣ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ተዋሂቡ።

ንመጀመርታ ጊዜ ከኣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1967 ንኤርትራውያን ከም ስደተኛታት ፈሊጡና።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ቁስሊ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ን30 ዓመት ተዋጊኡ። ኣብቲ 30 ዓመት ሰውራ ከካይድ እንከሎ እውን ኣብ ክልተ ውድባት ድዩ ሰለስተ ውድባት ኣብ ነንሓድሕዱ ከቢድ ኲናት ተኻይዱ'ዩ። እቲ ስምብራት ኣብ ሓንጎሉ ኣሎ።

ብዙሕ ኣብ ኩናት ተሰዊኡ፡ ብዙሕ ከኣ ኣብ ትካላት ጸጥታ ጀብሃን ሻዕቢያን ከምዝጠፍአ ይዝረብ እዩ።

ስለዚ ህዝቢ ዋላ እውን ኣብ 1991 ናጽነቱ ምሰረጋገጸ፡ ቀሲኑ፡ እፎይ ኢሉ ኣይደቀሰን። ኩናትን ሳዋን ስዒቡ - ኩናትን ምረትን ዛይዱ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተሰደ ከይተመልሰ ካልኣይ ሳልሳይ ዙር ስደት መጺኡ።

እቲ ሓንጎል ሓንሳብ ምስ ሰንበደ ስቕ ኢሉ እዩ ዝህውትት። መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ከኣ፡ ካብ 12 ክሳብ 15 ሚእታዊ ስደተኛታት ሕሉፍ ወጥሪ አእሙሮ ኣለዎም።

እቲ ወጥሪ ኣብ ኩሉ ሰብ ሓደ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ሰብ ዓዓቕሙ ኣለዎ። ዓቕሚን ተጻዋርነትን ሓንጎልና ከኣ ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ደሓን አእሙሮ፡ ነቲ ወጥሪ ይስከሞ ንገሊኡ ግን ይብርትዖ እሞ ስነ-አእሙሮኣዊ ሕማም የስዕበሉ።

ልዕሊ ኩሉ ግና ተስፋ፡ ዓቕምን ተጻዋርነትን ስለዘዕቢ ቀንዲ መድሃኒት ነውጽን ወጥርን እዩ። ተጋዳላይ ንኤርትራ ነጻ ከውጽእ እየ ኢሉ ክብገስ እንከሎ ንኣብነት፡ ሓደ መዓልቲ ኤርትራ ናጻ ከምእትወጽእ ኣሚኑ እዩ ብኢዱ ናብ ታንክታት ጸላኢ ዝጎይ ነይሩ። ሓንጎሉ ብሩህ ስለዝነበረ፡ ኣነ ተሰዊአ ህዝቢ ኤርትራ ክርህዎ'ዩ። ብመስዋእተይ ዝርህዎ እንተኾይኑ ከኣ ሓላል እዩ ይብል ስለዝነበረ እዩ ንኹሉ ዓይነታት ወጥሪ ክኢሉዎ።

እዞም ሕጂ ብሊብያ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትው ዘለዉ አሕዋትናን ደቅናን ከቢድ ቁስሊ ኣለዎም። እቲ ኹሉ መከራ እናጋጠሞም ዝሓሸ መጻኢ ከናድዩ ናብ ስደት ይውሕዙ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ስደት ዘጋጥም ሞትን መከራን ለሚድናዮ። ንግዳያት ስደት ከምቲ ዝግባእ ንሓዝነሎም ዲና ዝብል ሕቶ ንዓይ ካብ ዘጨንቐንን ብዙሕ ዘሕስበንን ጉዳይ እዩ። እቶም ዓቕምን ዕድልን ዝረኸብና ከም ህዝብን ዜጋታትን ብምረት ስደት ንዝተተንከፉ አሕዋትና ክንሕግዝ ግዴታ ኣሎና።

ከኒና ዝሓዘ ኢድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢቢሲ - ወጥሪ አእሙሮ ዘለዎ ሰብ እንታይ ምልክታት እዩ ዘርኢ? ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሰብ ብቐሊሉ ከለልዮ ይኽእል ድዩ?

ወጥሪ ሓንጎል ዘለዎ ሰብ ብዙሕ ምልክታት እዩ ዘለዎ። ንኣብነት እቲ ሰብ ኩሉ ግዜ ይሓልም፡ ይብህርር። ሰባት ክትንክፉዎ ወይ ክሕዝዎ ኣይፈቱን። ምኽንያቱ፡ ገሊኦም ኣብ መገዲ ተቐጥቂጦም ወይ እተን ደቂ ኣንስትዮ'ውን ተዓሚጸን ክኾና ይኽእላ።

ብዝከኣሎ መጠን ነቲ ዝሓለፎ ታሪኽ ክዝክሮ ኣይደልይን። ብዝከኣሎ መጠን ካብ ኣሕዋቱ ይኹን ካብ ፈተውቱ ይርሕቕ። እቲ ዝፈትዎ ዝነበረ ጸወታ፡ ምስ ኣሕዋት ኮፍ ኢልካ ምስሓቕ፡ ስፖርት፡ ሙዚቃ ኣይቅጽሎን። ፈቃር ዝነበረ፡ ፈቃር ኣይከውንን። መብዛሕትኡ ጊዜ ይሓስብ። ኣድህቦ ናቱ ከቢድ ይኸውን። ብቐሊሉ ሓራቕ ይኸውን። ክድቅስ ኣይክእልን። ሕጽረት ትንፋስ፡ ሕማም ልቢ ክህልዎ ይኽእል። ከይመውት ይፈርሕ፡ ይስዕቡኒ ኣለው ይብል።

እዚ ሕማም ምስ ዝብርትዕ ከኣ ኣብ ሓደጋ ይኣቱ። መብዛሕትኦም ድማ ነፍሰ ቅትለት ይፍጽሙ።

ቢቢሲ - ሰባት ከምዚ ዓይነት ምልክታት ምስ ዝርእዩ እንታይ እዮም ክገብሩ ዘለዎም?

ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ሕሙማት ጥዑይ ኣሎ እናበልካዮ፡ ዘይእመን ነገር ክነግር ወይ ከህተፍትፍ ይኽእል እዩ። እቲ ምልክታት ምስ እንርኢ፡ ብዝተኻእለ መጠን ምስቲ ሰብ ዘይምክታዕ። እንድሕሪ ተኻኢሉ ናብ ሕክምና ምውሳድ። ኣብቲ ሆስፒታላት ንወሃብቲ ሕክምና ናይ ስነ ኣእምሮ ምውካስ።

ቢቢሲ - እቲ ሰብ ተሓኪሙ ሓዳሩን ደቁን ክኣሊ ይኽእል'ዶ?

ዝኾነ ሕማም ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፡ መጀመርታ ፍቕሪ ናይ ኣከባቢኡ ይደሊ። ካልኣይ ነቲ መድሃኒት ክወስድ እንከሎ፡ እኹል መግቢ ክወስድ ኣለዎ። ሳልሳይ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብር እንተወሓደ ብእግሪ ምኻድ የድልዮ።

መድሃኒት ነቲ ሓንጎል ንክቆጻጸሮ ወሳኒ እዩ። ግን ስራሕ ዘይሰርሕ እንተኾይኑ መጻሕፍቲ ምንባብ ድዩ፡ ስፖርት ምግባር የድልዮ። ስድራ ከኣ ካብኡ ክፍለዩ የብሎምን። እቶም ስድራ ንባዕሎም ነቲ ሕማም ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ከመይ ጌርካ ከም እትኣልዮ ትምህርቲ ክወስዱ ኣለዎም።

ውጥረት ወይ ሻቕሎት (ስትረስ) እወንታውን ኣሉታውን እዩ። እቲ እወንታዊ ሻቕሎት የቀላጥፈካ። ንኣብነት ንስራሕ ክትከይድ ሰዓት ይኣኽለካ እንተልዩ፡ ቀልጢፍካ ትዳሎ፡ ትሕጸብ፡ ትቖርስ፡ ወይ ግዜኻ ርኢኻ ከይቆረስካ ትብገስ። ሕሉፍ ዝኾነ ሻቕሎት ክመጽእ እንከሎ ግን፡ ኣብ ቅዛነት ወይ ዲፕረሽን ከእትወካ ይኽእል። ኣብ ሳይኮሲስ ከእትወካ ይኽእል።

ቅዛነት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክመጽእ ይኽእል'ዩ። ደረጃታት ድማ ኣለዎ። ከከም ኣመጻጽኡ ብዝወሃብ ፈውሲ ድማ ይፍወስ እዩ።

ሕማም ኣእምሮ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ዓሌት፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ዓሌት ኣይፈልን እዩ።

ንኣብነት፡ ናይዚ ኣነ ዝነብረሉ ሃገረ ካናዳ መራሒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ወላዲቱ ሓደ ዓይነት ካብ ሕማማት ስነ-አእሙሮ፡ ባይፖላር ዲስኦርደር ኣለዋ። እዚ ማለት በቲ ሓደ ዲፕረሽን ኣሎ፤ በቲ ኻልእ ከኣ ዕብዳን ወይ ሳይኮሲስ ኣለዋ ማለት እዩ።

ግና መድሃኒታ ስለትከታተል ተፈዊሳ እያ። ሕጂ ዓባይ ተጠባባቒት ናይ ሕማም ኣእምሮ እያ። ኣብ መድረኽ ወጺኣ ትዛረብ፤ ክልተ ሰለስተ መጻሕፍቲ'ውን ጽሒፋ ኣላ።

ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ንዕሉል መላኺ ሂትለር ዝሰዓረ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ዊንስተን ቸርችል፡ ኣብ ገለ ግዝያት ቅዛነት ይመጽኦ ነይሩ። ግን ከኣ መድሃኒቱ እናተኸታተለ ስርሑ ይሰርሕ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ ዲፕረሽን ክፍወስ ከም ዝኽእል ብግብሪ ተራእዩ ኣሎ።

ኣብ ስኪዞፍረንያ ግን፡ ከምዚ ክበሃል ዝጸንሐ መድሃኒታት እናወሰደ ስሩዕ ህይወቱ ክመርሕ ይኽእል።

ከምቲ ሕማም ካንሰር ኣብቲ ቀዳማይ ደረጃ ዝምከት፡ ኣብ ካልኣይ ሳልሳይ ግና ፋሕ ዝብል፡ ሕማም ኣእምሮ'ውን ብዓንተብኡ እንተተለልዩ ምፍዋሱ ይቐልል።

ሕማም ኣእምሮ ኣብ ደቂ ሰባት ኣብ ክሊ ዕድመ 14-15 እዩ ዝርአ። ንኣብነት ኣብ ንኣሽቱ ቆልዑ ካብ ስድርኦም ምፍላይ፡ ኣብ ትምህርተ እቲ ውጽኢቶም የንቆልቁል፡ ተባኣስቲ ወይ ተሃራረምቲ ይኾኑ፡ ብዘይ መጠን ኩሉ ግዜ ብዙሕ ይሓስቡ፡ ብብዝሒ ከኣ ኣብ ግዜ ድቃስ ይብህርሩ ይስንብዱ፡ ገሊኦም'ውን ንወለዶም ኣይሰምዑን ኣይእዘዙን።

ኣብ ሃገርና ንዝሓመመ ሰብ መሊስና ኢና ነጸልሎ፡ ካብ ዘየድሊ ዘረባታት ክንጥንቀቕ ይግብኣና።

መድሃኒት እናወሰደ ግቡእ ሓገዛት እናተገብረሉ፡ ፍቕሪ እንተረኺቡ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ገለ ንጥፈታት ከም ዝዋሳእ ብምግባር፡ ክመሓየሽ ይኽእል፤ ምስ ግዜን ምስ ዕድመን ከኣ እቲ ኩነታት ኣብ ቁጽጽር ክኣቱ ይኽእል።