እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ "ፖሊስ ወቒዑኒ ዝብል ጥርዓን ቀሪቡልና ኣይፈልጥን"
ኣብቲ ናይ ሰኑይ ንብዙሓት ዘደንጸወ ፍጻመ፡ ኣባል ኮሚሽን ፖሊስ ኣበባ፡ ኢዱ ብመቑሕ ንዝተኣስረ መንእሰይ እናቐጥቀጠ፡ ካልእ ፖሊስ ድማ ናብ ሰማይ እናተኮሰ፡ ሓንቲ ኣደ ድማ ክትገላግል እንትትፍትን ክነጽሓ ዝርአ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምስተርአየ ብዙሓት ቁጠዐኦም እናገለጹ ይርከቡ።
ትማሊ እዚ ተግባር ብካሜርኡ ቀሪጹ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንዝዘርገሐ መንእሰይ ኣቤል፡ ቢቢሲ ኣዛሪቡዎ ነይሩ። እቲ መንእሰይ ብኣካል ዝረአዮን ዝተዓዘቦን ገሊጹልና።
ንሎሚ ድማ፡ ቢቢሲ ንምክትል ኮሚሽነር፡ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ አበባ ኣይተ ዘላለም መንግስቴ፡ እቲ ናይ ብሰኑይ ፍጻመ መሰረት ገይርና ገለ ሕቶታት ኣቕሪብናሉ ዝሃበና ምላሽ እነሆ።
ቢቢሲ፡ ፖሊስ ኣገልገልቲ ህዝቢ ከም መጠን ምዃኖም፡ እንታይ ዓይነት ስልጠና እዩ ዝወሃቦም?
ኣይተ ዘላለም፡- እቲ ቀንዲ ጸገም ምስ ስልጠና ዝተዛመደ ኣይመስለንን። ብፍላይ ኣብዚ ዓመት፡ ድሕሪ እቲ ለውጢ፡ ንኹሉ ኣባል፡ ብዛዕባ ህዝባዊ ኣገልጋልነት ስልጠና ሂብና ኢና።
ነቲ ዘለና ሓይሊ ፖሊስ ኩሉ ኣኪብና ንህዝቢ ከኽብርን ንረብሓ ህዝቢ ክሰርሕን፡ ዝፍራሕ ዘይኮነስ ዝኽበር ክኸውን ዘኽእል ሰነድ ኣርቂቕናና፡ ካብ ክልተ ግዘ ንላዕሊ ኣሰልጢናዮም ኢና።
ቢቢሲ፡ እቲ ስልጠና ንሓደሽቲን ነቶም ነባራትን ንኹሎም ድዩ ተዋሂቡዎም?
ኣይተ ዘላለም፡- ንኹሎም እዩ። ቀደም፡ ሕብረተሰብ ንፖሊስ እንትርኢ ዝስመዖ ዝነበረ ናይ ምሽቑራር መንፈስ ክልወጥ፡ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣገልገልቲ ምዃንና ኣሚንናን ቃል ኣቲናን ኢና ንሰርሕን ነሰልጥንን ዘለና።
ገና ኣብ ስግግር ስለዝኾንናን እቲ ስልጠና ወዲኡ ናብ ውሽጦም ዘይተወሃደ ክኸውን ይኽእል ኢልና ኢና ንኣምን።
ገሊኦም ድማ ናይ ውልቀ ባህሪኦም መሊኦም ዘይሓኸኹ ኣባላት ይህልዉና እዮም።
ብፍላይ እዞም ሓደሽቲ ኣባላት ገና እቲ ስለልጠና ዘይተወሃዶም እዮም ዝኾኑ። እዚ እዩ ዝኸውን እቲ ጸገም'ምበር ብሓፈሻ ኣብቲ ፖሊስ ኣብ መሓውሩ ኮነ፡ ኣብ ኣተሓሳስብኡ ህዝቢ ናይ ምግልጋል መንፈስ እዩ ዓሲሉ ዝርአ።
ቢቢሲ፡ ኣብ መሬት ብጭቡት ዘሎ ግን ከምኡ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን። ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ እቲ ሕብረተሰብ፡ ዝበልኩኻ ግበር፡ ሓላፊኻ እየ ዝብሎ እምበር'ንዓይ ከገልግል ጠጠው ዝበለ ኣካል እዩ' ኢሉ ዝኣምን ኣይኮነን። ንምዃኑ እቲ እትህቡዎ ስልጠና እንታይ ዝኣክል ዝሕግዝ እዩ ኢልካ ትኣምን?
ኣይተ ዘላለም፡- እቲ እዋን ስግግር'ኮ ገና ሓደ ዓመት ኣይመልኦን። እዚ ኣተሓሳስባ ንነዊሕ ግዘ ዝጸንሐ እዩ። ካብዚ ኣተሓሳስባ ኩሉ ሰብ ብሓደ ገዘ ወጺኡ ናብዚ ሓድሽ መንፈስ ክኣቱ እዩ ተባሂሉ ኣይግመትን።
ቢቢሲ፡ ንኸምዚ ዓይነት ተግባራት እንታይ ዓይነት ቅጽዓት ኢኹም ትቐጽዑ?
ኣይተ ዘላለም፡ እቲ ዝነገርኩኺ ጥቕልል ዝበለ ብሓፈሽኡ እዩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ፍጻመ ጥራሕ እዩ አጓኒፉና።
ቢቢሲ፡ ንስኹም ናብ አመራርሓ ምስ መጻእኹም ከምዚ ዓይነት ኣጋጢምኩም ኣይፈልጥን?
ኣይተ ዘላለም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘይወጹ፡ ንሕና ባዕልና ናይ ዲስፕሊን ስጉምቲ ዝወሰድናሎም ብዙሓት ኣለዉ።
ቢቢሲ፡ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ?
ኣይተ ዘላለምም፡- ዝተፈላለየ እዩ። ብገበን ዝሕተት ከከም ገበኑ ብሕጊ ክሕተት ዝገበርናዮ ኣሎ። ጸገማት ዝረአናሎም ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብርኪ ዘለዉ መአረምታ ስጉምቲ ወሲድናሎም ኢና።
ቢቢሲ፡ ብፖሊስ ተወቒዑ ወይ 'ተበዲለ' ኢሉ ናባኹም ጥርዓን ከቕርብ ዝመጽእ ሰብዶ ኣሎ?
ኣይተ ዘላለም፡- ብፍጹም። ክትሕብርዎ እትደልዩ ነገር እንተሃልዩ፡ ቤት ጽሕፈትና 24 ሰዓታት ክፉት እዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ናይ ሰኑይ ተግባር ዝተሳተፉ ፖላይስ ኣብ ቀይዲ ከምዘወዓሉ እዩ ዝዝረብ። ሓቂ ድዩ?
ኣይተ ዘላለም፡ ስጉምቲ ወሲድና ኢና።
ቢቢሲ፡ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ?
ኣይተ ዘላለም፡ ዝተፈላለየ ስጉምቲ። ፖሊስ ናይ ባዕሉ ናይ ውሽጢ ኣሰራርሐ ኣለዎ። ሓደ ፖሊስ ዘይግቡእ ተግባር እንትፍጽም ዝቕጸዐሉ ደንብን ሕግን ኣለና። ኣብ ኩሉ ካሊእ ቤት ጽሕፈታት ከምዘሎ ማለት እዩ።
እቶም ፖላዊስ ካብ ስራሕ ክእለዩ ገይርና። ጉዳዮም ብሕጊ ክርአን ክጻረን እናገበርና ኢና።
ቢቢሲ፡ ኣባላትኩም እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ እዩ ክጽበዮም?
ኣይተ ዘላለም፡ እቲ ጥፍኣት ገና ኣብ ምጽራይ እዩ ዝርከብ። ኣብ ልዕሊ እቶም ፖላዊስ እውን ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።
ብፍላይ ኣብቲ ሓደ፡ ተወቒዑ፤ ሓቢጡ ገለ ዝብል ነገር ኣሎ። ስለዚ እቶም ፖላዊስ ናብዚ ነገር ዝኣተው ብናይ ስነ ምግባር ጉድለት ድዩስ? ወይስ ካብ ካልኦት ሰባት ዝተፈጸሞም መጥቃዕቲ ኣሎ እዩ?
ኣብ መወዳእታ እዚ ኩሉ ተራእዩን ተጻርዩን እዩ ኣብ ሓደ መዕለቢ ውሳነ ዝብጻሕ።