ኣብዪ ኣሕመድ፡ “መንግስቲ ኤርትራ መገዲ ነፋሲት-ዛላምበሳ ካባና ብዝሐሸ መልክዑ ይሃንፆ'ሎ”

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, FBC

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ኢትዮ ኤርትራን፡ እዋናዊ ሃዋህው ፖለቲካ ኢትዮጵያን ኣድሂቦም ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ምልሲ ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራን ኣመልኪቶም ድማ፡ እቲ ዶብ ዝተዓፀወ ሕጋውነት ንምትሓዝ ከምዝኾነን ተዛሪቦም። እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ቁጠባዊ ዝምድና ንምፍጣር ብወገኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

"መንግስቲ ኤርትራ ካብ ነፋሲት ክሳብ ዛላምበሳ ዝወስድ መገዲ ካባና ብዝሐሸ መልክዑ ይሃንፆ እዩ ዘሎ። ንግዲ ክዋዓዋዕ ስለዝኽእልን፡ ምፅዋዕ ምጥቃም ክመፅእ ስለዝኽእልን፡ ምስ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያ ከራኽበና ዝኽእል መገዲ ክንሃንፅ ይግበአና ብዝብል ተሊሙ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ" ኢሎም።

ኣብ ጉዳይ ዓሰብ ድማ ብዙሓት እማመታት ቀሪቦም፤ መንግስቲ ኤርትራ ይሰርሐሉ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ዓሰብን ምፅዋዕን ኩሎም ቁጠባዊ ለውጥታት ከሳልጡ ዝኽእሉ ዘፈራት ምዃኖም ተኣሚኑሎም ይስራሕ ከምዘሎ'ውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ 15 ሰነ ንዝተፈፀመ መቕተልቲ ላዕለዎት ጀነራላት ሰራዊት ምክልኻልን ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራንን ስዒቡ፡ መንግስቲ ድምፂ መራኸብቲ ሓፋሽ ይዕፍን ኣሎ ዝብል ሕቶ፡ ካብ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ቀሪብሎም እዩ።

ንሶም ግና መንግስቲ ድምፂ ህዝቢ ናይ ምዕፋን ሓሳብን ድሌትን የብሉን ኢሎም።

ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ቀታሊ ኢታማጆርሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኣድሂቦም እንትምልሱ፡

"ንክልቲኦም ጀነራላት ዝቀተለ ወተሃደር፡ ስለዝቖሰለ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሕክምና እዩ ዘሎ። ኣብ ክሳዱ ስለዝቖሰለን ክዛረብ ስለዘይኽእልን፡ ክሳብ ዝሕሾ ሓድሽ መረዳእታ ኣይተረኸበን። ሕክምና ይግበረሉ ኣሎ፤ ምናልባት ምስሓሾ ዝበለፁ መረዳእታት ክርከቡ እዮም።"

ግና ምስዚ ጉዳይ ርክብ ዘለዎምን ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ከምዘለውን ብመሰረት ካብኣቶም ዝተረኸበ መረዳእታ እዚ ጉዳይ ኣቐዲሙ ከምዝተዋደደ እየዮም ተዛሪቦም።

እቲ ጉዳይ አቕሊልካ ምርኣይ ከምዘይግባእን፡ ሓገደገኛ ኩነታት ከስዕብ ዝኽእል ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ቅድም ክብል ኣብ መንጎ ህወሓትን ኣዴፓን ዝተፈጥረ ናይ ቃላት ኲናት ብዝምልከት፡ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዘጋጥም ነገር ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ እዞም ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ዝተፈጥረ ዘይምቅድዳው ንምፍታሕ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ከምዝዳለው ኣብሪሆም።

"ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ስክፍታታት ኣለዉ፡ መንግስቶም ካብ ግዘ ናብ ግዘ ናይ መርገፂ ለውጢ የርእይ ኣሎ" ዝብል ሕቶ እውን ብጋዜጠኛታት ተላዒሎም እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ግና፡ ዝተለወጠ ነገር የለን ይብሉ።

ኣብታ ሃገር ዝፍጠሩ ፖለቲካዊ ናዕብታትን ለውጥታትን ስዒቡ፡ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምዕፃው ልሙድ ተግባር ኮይኑ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፡ ሕዚ እውን ህይወት ሰብን ንብረትን ምጥፋእ እንዘይተቋሪፁ፡ ኣብታ ሃገር ጠቕሊሉ ኢንተርኔት ክዕፆ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።

"እዚ ዝኾነ ናይ ሰባት ህይወትን ንብረትን ንከይጠፍእ እዩ። ሰባት ብሰላማዊ መገዲ ሓሳቦም ዘሰጉሙ እንተኾይኖም ግን ንቐፃሊ እውን ኣይዕፆን። ካልእ ዓለም ብናይ ባዕሉ ሃገር መነፀር እናርኣየ፡ ብዛዕባ ኢንተርኔት ዘልዕሎ ሓሳብ ኣባና ኣይሰርሕን።"

ኣብ ክልል ደቡብ ብህዝቢ ሲዳማ ዝተልዓለ ሕቶ ክልል ምዃን ኣድሂቦም ድማ፡ ዝኾነ ህዝቢ ዝደለዮ ሕቶ ፖለቲካ ክሓትት ዋላ እኳ መሰል እንተሃለዎ፡ ነዚ ሕቶ እዚ ዘስጉመሉ ዝተወደበ ትካል ክህሉ ይግባእ ኢሎም።

ፈፃሚ ስራሕ ኢህወደግ ነዚ ጉዳይ ከምዝዝትየሉን፡ ድሕሪ ሕቶ ክልልነት ስዒቦም ዝፍጠሩ ክፍፍል ንብረትን ይገበኣንን ድማ ክሕሰበሎም ከምዝግባእን ሓቢሮም።

በቲ ሕገ-መንግሰቲ መሰረት፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክካየድ ብዛዕባ ዝግበኦ መረጻ፡ ጥርጣረታት ዝዓሰለ እንትኸውን፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ግን ፡ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ነቲ ጉዳይ ዘትዩ፡ ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ከምዝሓዘ ኣረዲኦም።