ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ሕብረት እንግሊዝ ቦሪስ ጆንሰን፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክሸውም'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንተሬዛ መይ ብምትካእ ቀዳማይ ሚንስትር ሕብረት እንግሊዝ ዝኾነ ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዘቑሞ ሓድሽ መንግስቲ ሽመት ላዕለዎት ሰበስልጣን ከጽድቕ'ዩ።
እቲ ሓድሽ መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ዝተረኸበትሉ ብህዝቢ ተዓጂቡ ናብ ሓድሽ ቤት ጽሕፈቱ ከም ዝኣቱ ተገሊጹ።
ሽዑ መዓልቲ ኣብቲ ዝመርሖ መንግስቲ ስልጣን ዝሕዙ ኣባላት ካቤኔ ወግዓዊ ክገብር ትጽቢት ኣሎ።
ቦሪስ ኣብ ዘቑሞ መንግስቲ ዝሽወሙ ኣባላት "ንዘመናዊት ብሪጣንያ" ዘንጸባርቑ ከም ዝኾኑ ገለ ምንጪታት ሓቢሮም።
ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ካቢነ ክብ ከብልን ተሳትፎ ውሑዳን ዓሌታት ከበርኽን ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ንሱ፡ ንሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ጀርሚ ሃንት ብምስዓር'ዩ ቀዳማይ ሚንስትር ክኸውን ኪኢሉ። 66.4 ሚኢታዊት ድምጺ ድማ ረኺቡ።
ክልቲኦም ተራኺቦም ኣብ ብጽሒት ስራሕ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ብዝምልከት ክዝትዩ ትጽቢት ይግበር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







