እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብዚ ሰሙን ከጋጥሙ ካብ ንጽበዮም 4 ነገራት
ኣብዚ ሰሙን ከጋጥሙ ዝኽእል ኩሉ ነገር ድኣ ኣይንፍለጦ'ምበር ዓዓበይቱ ምልላይን ምግማትን ግን ኣይጽግመናን'ዩ።
ኣብዚ ሰሙን ከጋጥሙ ካብ ንጽበዮም ኣገደስትን ታሪኻውያንን ንገሊኡ ኣቐዲምና ክንሕብረኩም።
1) ቀዳማይ ሚኒስተር ብርጣንያ ንምዃን ዝህሉ ቅልስ
ዝሓለፈ ሰሙን ንተሬሳ መይ ትንፋስ ዝህብ ሰሙን ኣይበረን።
ቀዳመይቲ ምኒስተር፡ ንዶናልድ ትራምፕ ተቐቢላ፡ ናብ ፈረንሳ ብምኻድ ኣብ ዝኽሪ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም ጸንቢላ፡ ካብቲ ንሳ ትመርሖ ዓቃባዊ ሰልፊ ብፍቓዳ ካብ ስልጣና ወሪዳ።
ክሳብ ወርሒ ሓምለ ቀዳመይቲ ሚኒሰተር ኮይና እትቅጽል ተሬሳ መይ፡ ንዓኣ ንምትካእ ዝግበር ውድድር ኣብ ምጅማሩ እዩ።
ንተሬሳ መይ ንኽትክኡ ዝወዳደሩ ሕጹያት፡ ሰኑይ ሰነዳቶም ዘቕርቡላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ'ያ።
ከም ብዓል ቦሪስ ጆንሶን፡ ሚካኤል ኮቭ ዝኣመሰሉ ድሮ ንተሬሳ መይ ንምትካእ ተዳልዮም ከም ዘለዉ ዝሕብሩ ዘለዉ ፍሉጣት ፖሎቲከኛታት እዮም።
2)ኣሳንጅ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ
መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ፡ ሮቡዕ ኣብ ሎንደን ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።
ጁልያን ኣሳንጅ፡ ናብታ መንግስታዊ ሚስጢራት ኣቃሊዑ ኢላ እትኸሶ ኣሜሪካ ከይሰጋገር'ዩ ዝቃለስ ዘሎ።
እዚ ሮቡዕ ዝካየድ መስርሕ ፍርዲ፡ ን30 ግንቦት ተሓሲቡ ዝነበረ ኮይኑ፡ ጠበቕኡ፡ ኣሳንጅ ሓሚሙ ስለ ዘሎ መዓልቲ ኣናውሑልና ስለ ዝበለ እዩ ንሮቡዕ ተሰጋጊሩ።
ውሃቢ ቃል ዊኪሊክስ፡ ብዛዕባ ኣሳንጅ "ጥዕንኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት የለን፡ ሚዛኑ'ውን ካብ መዓልቲ ናብ ምዓልቲ ይጎድል'ዩ ዘሎ" ክብል ንታይምስ ተዛሪቡ።
ኣሳንጅ ኣብ 2012 ኣብ ሎንዶን ዝርከብ ኤምባሲ ኢኳዶር ፖሎቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ክነብር ድሕሪ ምጽናህ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዓዲ እንግሊዝ ንሓምሳ ኣዋርሕ ተፈሪዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቤልማርሽ'ዩ ዝርከብ።
ኣሳንጅ በዚ ተኸሲስዎ ዘሎ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ 175 ዓመታት ክፍረድ ከም ዝኽእል'ዩ ዝንገር ዘሎ።
3) ቅልስ ንጥንታዊ ወርቂ
ሩስያን ዩክረይንን ንዝሓለፈ ዓመታት ብጉዳይ ጥንታዊ ወርቂ ክዋጠጣ እየን ጸኒሐን።
ኣብ ክሪምያ ዝርከብ ልዕሊ 2000 መጋየጺ ንበረትን ጥንታዊ ዕንቑታትን፡ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ሕጋዊ ክርክር ክገብራ ጸኒሐን'የን።
እዚ ጥንታዊ ንብረት ብልቓሕ ኣብ ቤተ መዘክር ኣምስተርዳም ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ 2014 ሩስያ ናተይ እዩ ብማባል ናብ ክረምያ ንኽትወስዶ ሕቶ ኣቕሪባ።
እዞም ብልቃሕ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝጸንሑ ጥንታውያን ክቡራት ኣቑሑ ሩስያን ዩክረይንን፡ ብይግብኡኒ'ዮም ዝብል ኣብ ምጕት ገጢመን ይርከባ።
ቤት ፍርዲ ኔዘርላንድ፡ ሰሉስ እዚ ኣብ ቤተ መዘክር እታ ሃገር ዝጸንሐ ጥንታውያን ክቡራት ኣቑሑ ንመን ከም ዝወሃብ ናይ መወዳእታ ውሳኔኡ ከህብ'ዩ።
4) ዓመታዊ ኣኼባ ተጻወትቲ ናይ ኮምፒተር 'ጌም"
ካብ ዓለም ዝዓበየ ኣኼባ ተጻወትቲ ናይ ኮምፒተር 'ጌም' ኣብ ሎስ ኣንጆለስ ብሰሉስ ተኸፊቱ።
እዚ ብኢ3 ዝፍለጥ ምትእኽካብ ተጻወትቲ ናይ ኮምፒተር 'ጌም' ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ተጻወትቲ ክእለቶም ከርእዩን፡ ሓደሽቲ 'ጌይማት' ንኽምህዙ ባይታ ከጣጥሕ ዝጸነሐ ምትእኽካብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 70,000 ሰባት ኣብዚ ምትእኽካብ ተረኺቦም ነይሮም።
እንተኾነ ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣፍረይቲ ናይ ኮምፒተር ጸወታታት ዝኾነ ኩባንያ 'ሶኒ' ኣይሳተፍን'ዩ ዘሎ።
ኩባንያ ሶኒ፡ ሎሚ ዓመት ኣብዚ ምትእኽካብ ከም ዘይርከብ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኣብዚ ዓመተ 2019 ሓድሽን ተለማድን ዝኾነ ነገራት ንምምሃዘ ኣብ መጽናዕቲ ኢና ዘለና" ኢሉ።
ኩባንያ ሶኒ ካብዚ ኣኼባ ንመጀመርታ እዋን እዩ ዝቦክር ዘሎ፡ በዚ ምኸንያት ከኣ ኣብ ብዙሓት ፈተውቲ ጸወታታት ኮምፒተር ቅሬታ ፈጡሩ ይርከብ።
እዚ ኩሉ እናኾነ ግን፡ ኩሎም ፈተውቲ ናይ ኮምፒተር ጸወታታት ካብዚ አኼባ ብዙሕ ውጽኢት ይጽበዩ ኣለዉ።