"ኣብዚ ኩነታት ዋሕስ ኣይሓትትን" ኣቶ ታደሰ ካሳ

ንጉዳይ በዓል ኣቶ በረከት ስምኦን ዝርእይ ዘሎ ኣብ ባህርዳር ዝርከብ ቤትፍርዲ ሎሚ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፡ ኣቶ ታደሰ 'ዝፈጸምክዎ ገበን የለን'፡ ብምባል ቃሉ ሂቡ።
ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ክልል ኣምሓራ፡ ኣቶ በረከት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ዘቕረብዎ ናይ ክሲ መቃወሚ ምንጻጉ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ ኣቶ በረከት ስምኦን ቃሉ ኣብ ዝሃበሉ፡ ዝኾነ ዓይነት ዘሕትቶ በደል ከም ዘይፈጸመ ነቲ ቤት ፍርዲ ተዛሪቡ'ዩ።
ኣቶ ታደሰ ካሳ ግና ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ ኣብ ዝስዕብ ቆጸራ፡ ክሀብ ብምሕታቱ እቲ ቤትፍርዲ ሎሚ ነቲ ጉዳይ የአንጊዱ ኣሎ።
ጠበቓ ሳልሳይ ተኸሳሲ፡ ኣቶ ዳንኤል ግዛው፡ ብወገኑ ናይ እምነት ክህደት ቃሉ ኣመሓዪሹ ብምቕራብ ናይ ዋሕስ መሰሉ ክኽበረሉ ሓቲቱ።
ብመሰረት እቲ ቤትፍርዲ ሕቶ ዋሕስ ምልዓል ከምዝከኣል ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ኣይተ በረከት ምስ ጠበቕኦም ተዘራሪቦም ከምዘቕርቡ ብምግላፅ፡ ንጠብቕኦም ሓለዋ ክግብረሉ ድማ ነቲ ቤት-ፍርዲ ሓቲቶም።
መሰል ዋሕስ ብዝኸልእ ገበን ብምኽሳሶም፡ ዋሕስ ምሕታት ምእንቲ ክኽእሉ፡ እቲ ክሲ ክመሓየሽ ከም ዝግባእ ዝጠቐሰ ኣቶ ታደሰ፡ በዚ ኩነታት ዋሕስ ኣይሓትትን ኢሉ።
ኣኽባር ሕጊ ብወገኑ፡ እቲ ክሲ መሰል ዋሕስ ዝኸልእ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ጠበቓ ምግባር መሰሎም ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣቶ በረኸት፡ "ጠበቓ ክንገብር ፈቲንና'ኳ እንተነበርና ብዝበጽሖም ምፍርራሕ ደው ክብሉልና ኣይከኣሉን" ኢሉ።
"እቲ ክልል፡ ልዕልና ሕጊ ከኽብር ኣይከኣለን ኣሎ፤ ጠበቓ ናይ ምግባር መሰለይ ዝግህሱ ብሕጊ ይተሓተቱ፤ ኣብ ቤት ማእሰርትን ቤትፍርድን ይጽረፍ ኣለኹ፤ ኣብዚ ክልል ሕጊ ኣሎ ድዩ? እቲ ሕገ መንግስቲ ይኽበር ድዩ? ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ይፍጸመኒ ኣሎ፤ እዚ ናይ ምጉዕጻጽ ፍትሒ እዩ" ኢሉ።
ኣቶ ታደሰ ብወገኑ፡ ጠበቓታት ምፍርራሕ ይበጽሖም ስለ ዘሎ ክውክሉና ኣይከኣሉን፤ ሓለዋ ክግበረሎም እዩ እንተተባህለ'ውን ወላ ሓንቲ ኣይተገበረን ክብል ነቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።
ነቲ ጉዳይ ብኹሉ ሸነኻቱ ዝረኣዮ እቲ ቤትፍርዲ፡ እቲ ክሲ መሰል ዋሕስ ዘውህብ ብዘይምዃኑ ክሱሳት ጉዳዮም ኣብ ቤትማእሰርቲ ኮይኖም ይከታተሉ ኢሉ።
እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኹ፡ ብዛዕባ ዝግበረሎም ሓለዋ ብዝምልከት፡ ጠበቓታቶም ፈልዮም ምስ ኣቕረቡ ውሳነ ክህብ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ተኸሳሲ ቅድሚ ናይ ቆጸራ መዓልቲ፡ ከፍልጡ ሓቢሩ።
ቃል መሰኻኽር ንምስማዕ፤ እቲ ቤት ፍርዲ ንግንቦት 21 ቆጸራ ሂቡ ኣሎ። መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ምጽብጻብ እቲ መጋባእያታት ጥንቃቐ ክገብሩ'ውን እቲ ቤትፍርዲ ሓቢሩ።
ኣኽባር ሕጊ ኣብ ጉዳይ ኣቶ በረከት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ኣርባዕተ ክስታት ምምስራቱ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







