እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቦይንግ ንጸገማት 737 ማክስ ይፈልጥ ምንባሩ ተኣሚኑ
ትካል መፍረ ነፈርቲ ቦይንግ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ክልቲአን ነፈርቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ነፈርቲ 737 ማክስ ጸገማት ከም ዘለወን፡ ሓበሬታታት'ኳ እንተነበሮ ዝኾነ ስጉምቲ ከም ዘይወሰደ ተኣሚኑ።
እቲ ትካል ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ናይ መጠንቀቕታ ስርዓት ግቡእ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ምርጫዊ ምግባሩ፡ ብግቡእ ዝተሓስበሉ ምንባሩ'ኳእ እንተሓበረ፡ እዚ ንውሕስነት በረራ ኣብ ሓደጋ ከም ዘየእቱ ገሊጹ።
ድሕሪ እቲ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘጋጠመ፡ ህይወት 157 ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ፡ ኩለን ነፈርቲ 737 ማክስ ካብ በረራ ምእጋደን ይዝከር።
ቅድሚኡ፡ ቅደሚ ሓሙሽተ ወርሒ'ውን ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ኣብ ላየን ኤየር ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ 189 ሞይቶም እዮም።
ኣብቲ ካብ ምብራር ዝተኣገዳሉ እዋን፡ 387 ዝኾና 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ምህላወን ይግለጽ።
እቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ሰርዓት፡ ተገራጫዊ ሓበሬታታት ክህሉ ከሎ ነቶም ፓይሎት መጠንቀቕታ ዝሕብር እዩ።
እቲ ትካል፡ ነቲ ስርዓተ ሓበሬታ፡ ከምቲ ተወጢንሉ ዝነበረ ኣብ ሰዓቱ ድልው ከም ዘይገበሮ ዝተገንዘበ፡ እተን ነፈርቲ ናብ ኢድ ዓማዊል ድሕሪ ምእታወን ምዃኑ ገሊጹ።
ነቲ ጸገም መፍትሒ ዝኸውን ሶፍትዌር ንምምዕባል ወጢኑ ከም ዝነበረ'ውን ገሊጹ።