ሰልፈኛታት፡ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቶም

ምንጪ ስእሊ, AMMA
ሎሚ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ብዙሓት ሕቶታት ዝተልዓሉ ክኸውን ከሎ፤ ሰልፈኛታት ፕረዚደንት እታ ክልል ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝሓተቱ'ውን ሓደ ካብ ኣወሃሀድቲ እቲ ሰልፊ ገሊጹ።
እቶም ሰልፈኛታት "እቲ ብሃገር ደረጃ መጺኡ ዝበሃል ለውጥታት፡ ንህዝቢ ኣምሓራ ኣይረብሐን" ከምዝበሉ ኣይተ እንዳላማው ክንዴ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ።
እኳ ደኣስ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ህዝቢ ኣምሓራ ዝያዳ ከም ዝተሃሰየ'ውን ኣይተ እንዳላማው ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ፤ አዴፓ (ናይ ቀደም ብኣዴን) ስሙ ካብ ምቕያር ወጻኢ ኣብቲ ክልል ኮነ ኣብ መሓውር ለውጢ ኣየምጸአን ዝብሉ ሓሳባት ኣብቶም ሰልፍታት ከም ዝተንጸባረቑ 'ውን ናይቲ ሰልፊ ኣዋሃሃዲ ገሊጹ።
ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ንዝበጽሐ መጥቃዕትታት ድማ ኣብቲ ሰልፊ ኮኒኖምዎ።
እቲ ሰልፊ፡ ኣብ ባህርዳር፣ ጎንደር፣ ደብረ ማርቆስ፣ መርዓዊን ካልኦት ከተማታትን እዩ ተኻይዱ።
እቲ ሰልፊ ንኽካየድ ዋላኳ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል ፍቓድ እንተዘይረኸቡ፤ መናእሰይ ሓላፍነት ወሲዶም ነቲ ሰልፊ ከምዘካየድዎ ኣይተ እንዳላማው ሓቢሩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







