እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህቦቡላ ፋኒ፡ ህንዲ ገለ ነበርቲ ካብ ምብራቃዊ ክፋል እታ ሃገር ክግዕዙ ኣዚዛ
ኣብ ገማግም ምብራቓዊ ክፋል ህንዲ ብርቱዕ ህቦቡላዊ ዝናብ ክመጽእ ከም ዝኽእል ስለ ዝተሰግአ ኣሽሓት ካብ ዓድታቶም ይግዕዙ ኣለዉ።
እዚ ፋኒ ዝተሰምየ ህቦቡላ፡ ኣብ ስዓት 200 ኪሎ ሜትር እናተሓንበበ ናብ ዞባ ኦሪሳ ገጹ ይሕንበብ ከም ዘሎን፡ ዓርቢ ንምብራቓዊ ክፋል ህንዲ ከጥቕዕ ከም ዝኽእልን ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ እቲ ከባቢ ይሕብር ኣሎ።
ሰብ መዚ ህንዲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ክልተ ወደባት ኣብ ስራሕ ደው ከም ዝብላ ክገብሩ እንከለዉ፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት'ውን ንህዝቢ ካብ ዝተሓተ ናብ ዝበረኸ ቦታታት ኣብ ምግዕዓዝ ይነጥፉ ከም ዘለዉ ክግለጽ ተኻኢሉ።
ዞባታት ኣንድሃራን ፕራደሽ'ውን ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሓ ተሓቢርወን ኣሎ።
እዚ ዝናብ ዝተሓወሶ ህቦቡላ ኣብዚ ስዓት ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ኣንድህራ ፕራደሽ ቤንጋልን ገጹ ኣብ ምሕንባብ ይርከብ።
ሓለፊ ትምበያ ኩነታት ኣየር ማእከላይ ኦሪሳ ዝኾነ ቢስዋስ፡ በዚ ህቦቡላዊ ዝናብ 11 ወረዳታት ክጥቓዓ ከም ዝኽእላ ሓቢሩ።
ሃገራዊ ምክልኻል ሓደጋታት ህንዲ ብወገኑ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ህንዲ ዝርከቡ ህዝቢ ክጥንቀቑ ብምሕባር ብፍላይ ገፈፍቲ ዓሳ ብርቱዕ ጥንቓቐ ክገብሩን ንኽገፉ ናብ ባሕሪ ከይወፍሩን ኣተሓሳሲቡ'ሎ።
ሰብ መዚ ህንዲ 850 መጽለሊ ከባቢታት ብምድላው ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከዕቁብ ዝኽልእ ቦታ ኣዳልዮም ከም ዘለዉ ይሕብሩ ኣለዉ።
ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ፡ ሓይሊ ምክልኻል ወስናስን ክሊ ማይ ከምኡ'ውን ሃገራዊ ምክልኻል ሓደጋታት ብምልኦም ህዝቢ ንምሕጋዝ ተዳልዮም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ማዕከናት ዜና ህንዲ፡ ናብ ምብራቃዊ ገማግም ክብገሳ ዝነበረን ኣስታት 81 ባቡራት ጉዕዞአን ከም ዘቛረጻ ሓቢረን።