ምዕጻው ኣፍደገ ዶባት ኢትዮ-ኤርትራን ጽልውኡን

ምዕጻው ናይ'ቶም ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽቡ ኣርባዕተ ኣፍደገታት ዶብ፡ ንመስርሕ ዕርቂ እዘን ኣብ ኲናት ዝጸንሓን ክልተ ሃገራት፡ ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል'ዶ? ዝብል ሕቶ ይለዓል።

ኣብ ዶባት ሰርሓ-ዛላምበሳ፡ ክሳድ ዒቃ-ራማ፡ ኦምሓጀር-ሑመራን ቡሬ- ደባይ ሲማን፡ ምንቅስቓስ ሰባትን ኣቕሑትን ድሩት ኮይኑ ምጽንሑ መራኸቢ ብዙሓን ውሽጢ ዓዲ ይጽብጽባ።

እቲ ኣፍደገታት ዶብ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተበጽሐ፡ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ዝመልስ ስምምዕ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም እዩ ተኸፊቱ።

ዛጊት ንምኽንያት ምዕጻው ብዝምልከት ብኽልቲኡ መንግስታት ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ የልቦን። ብመንግስቲ ዝውነና መራኸቢ ብዙሓን እውን ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢበን ኣለዋ።

ምዕጻው ዶብ ዘስዕቦ ጽልዋ እንታይ'ዩ?

እቲ ዶብ ድሕሪ ምኽፋቱ ኣብ ሓደ ወርሒ፡ ኣሻሓት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ምሕታቶም ጸብጻባት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ምዕጻው እቲ ኣፍደገታት ዶብ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክረአ ጀሚሩ ዝነበረ ንግዳዊ ርክብ ብኣሉታ ክጸልዎን፡ ብምኽፋት እቲ ዶባት ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ተራእዩ ዝነበረ ተስፋ ተናኺፉ ንቀጻልነት ሰላም ከይዕንቅፍ ስግኣት ኣሎ።

ኤርትራ፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ናይ ወጻኢ ባጤራን ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያንን ንምቁጽጻር፡ ነቲ ኣፍደገታት ዶብ ምዕጻዋ ገለ ምንጭታት ይገልጹ።

ቴለቪዥን ኤርትራ ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰለስተ "ተጋሩ ኢትዮጵያውያን" ብኣሽሓት ዝቑጸር ዝተሰንዐ ዶላር ሒዞም ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዎም ከም ዝተታሕዙ፡ ምጽብጻባ ይዝከር።

ገለ ኣዋርሕ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ክልቲአን ሃገራት፡ ሚኒስተር ምክልኻልን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ነበር፡ ሚኒስተር ጸዓት ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠሞ ድማ፡ ገለ ወገናት ነቲ ክስተት ምስ ምኽፋት ዶብ ከተኣሳስሩዎ ተሰሚዑ'ዩ።

ምምልካት ዶባት ይትግበር'ዶ ይኸውን?

ሓደ ካብቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም፡ እቲ ዶብ ብመሰረት ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ ኤርትራ ክትግበር ዝብል ኢዩ።

እንተኾነ ነዚ ዘመላኽት ምንቅስቓሳት ዛጊት ኣብቲ ዶባት ኣይተራእየን። ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ 2000 ዓ.ም ዝሓዞ፡ ንኤርትራ ዝተበየነ ከባቢታት ኣይወጸን ዘሎ።

ምንስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዶባት ከምኡ'ውን ምምልካት እቲ ዶብ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይሰጎመን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ንምትግባር ድልው ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ቅድሚ ተግባረ ህዝቢ ንህዝቢ ዘተታት ክካየዱ ዝጽውዑ ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየዱ ምንባሮም ይዝከር።

ዝስዕብ እንታይ እዩ ክኸውን?

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ንምድንጓይ ምንስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ተጻብኦታት ምህላው ተዛሪቡ።

"ናይ ዶብ ሕቶ ወይ ድማ ምንስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ፡ ተደናጉዩ ኣሎ ክንብል ንኽእል ኢና" ክብል ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ስዑድ ዓረብ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ኤርትራውያን ምዝራቡ ይጥቀስ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ህወሓት ካብ ማእኸል ሃገር ይገለል እምበር፣ ኣብዚ እዋን'ዚ፣ ኣብ ትግራይ ተኣኻኺቡ፡ ኣንጻር እቲ ማእከላይ መንግስቲ ይሰርሕ ከም ዘሎ ንከታተሎ ዘሎና'ዩ ምባሉን፡ ኣተሓሳስባ ሰበ ስልጣን ህወሓት ከም ዘይተቐየረ ምግላጹን ሬድዮ ኤረና ጸብጺባ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፤ እቲ ብዘይ መግለጽን መብርህን በብእዋኑ ተኸፊቱ ዝተዓጽወ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ነቲ ሰላም ከይንዕቅፎን ከይኾልፎን ስግኣት ኣሕዲሩ ምህላው ዝተሻቐሉ ዜጋታታት ክልቲኡ ሃገራት ይገልጹ።