ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ውሉፋት ምህርቲታቶም ክንከውን ይደልዩ'ዶ?

ሞባይል ዝሓዘት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓሰርተ ሻብ ዶ ብዘይ ምኽንያት ሞባይልኩም ስልክኹም ትተናኽፉ? ሽዑ ንሽዑኸ ኢንተርነት ከፊትኩም ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገጻትኩም'ዶ ትፈታትሹ?

ወነንቲ ማሕበራዊ ሚድያ ነዚ ኹሉ ከምዚ ዓይነት ስምዒታትን ታህዋኽን ተሓተትቲ እዮም።

ንሳቶም፡ ካብቲ ሰሪሖም ዘቕረቡዎ ቴክኖሎጂ መኽሰብ ንምርካብ ክብሉ ኣዝዮም ወስወስትን ወልፊ ዘትሕዙን ገይሮም እዮም ሰሪሖምዎም።

ካብ 2019 ጀሚሩ ግና፡ ከም ፌስቡክን ጉግልን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ብዘይምኽንያት ኣብ ምትንኻፍ እነሕልፎ እዋን ብምንካይ ናብ ዋኒንና ከነተኩር ዝገብሩ መስርሓት ኣብ ምትእትታው ይርከቡ።

እቶም ለውጢታት እንታይ እዮም?

መምህርን ኣማኻሪ ቴክኖሎጅን ኒር ኢያል፡ ትካላት ቴክኖሎጂ ዓማዊሎም ምኽንያታዊ ኣብ ዘይኮነ ምትንኻፍ ምህርቲታቶም ዘሕልፍዎ ግዜ ክንክዩ ብምግባር እንተሓጊዞምዎም ውዒሉ ሓዲሩ ንባዕሎም ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ይገልጽ።

ኣፍረይቲ መካይን ኣመሪካ ኣብ 1960ታት ድልየት ዓማዊሎም ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ድሕንነት መቐነት ዘለወን መካይን ሰሪሖም ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ጀሚሮም።

ድሕሪ 19 ዓመታት ድማ ኩለን መካይን ናይ ድሕንነት መቐነት ክህልወን ዘገድድ ሕጊ ጸዲቑ።

መስ ግዜ ድማ፡ ድሕንነተን ዝሓለዋ መካይን ዘፍርዩ ትካላት ዝሓሸ ዕዳጋ ክረኽቡ ክኢሎም።

ብተመሳሳሊ ካብ 2018 ጀሚሮም ኣፍረይቲ ምህርቲታት ቴክኖሎጂ ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ጥራሕ ካብ ምሕላው ወጺኦም ንዓማዊሎም ዝጠቕሙ ስጉምቲታት ተግባራዊ ምግባር ጀሚሮም እዮም።

ጉግል ብዝተኣታተዎ ሓዱሽ ስርሓት ኣንድሮይድ ዓማዊሉ ኣብ ታብሌትን ስማርት ፎንን፡ ኣብ ዝጥቀሙዎም መተግበሪታት (applications) ገደብ ኣቐሚጡ እዩ።

ኩባኒያ ኣፕል 'ውን ዓማዊሉ ኣብ ገጽ እቲ ምህርቲ ዘሕልፍዎ ግዜ ንምቆጽጻር ዘኽእሎ መስርሕ ኣተኣታትዩ እዩ።

ብተወሳኺ ፌስቡክን ኢንስታግራምን 'ውን፡ ግዜ ንምቁጽጻርን መቐበሊ ሓበሬታ ዝግድብን መስርሕ ኣተኣታትዮም እዮም።

ሞባይል ዝሓዘት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትካላት ክኖሎጂ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝዘንግዕሉ ምኽንያት

ናይ ኢኲቲ ሪሰርች ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዝኾነ ዳኒኤል ኣይቪስ፡ ትካላት ቴክኖሎጂ ለውጢ ንምግባር ምሕሳብ ዝጀመሩ ኣብ ዙርያ ወልፊ ምጥቃም ምህርቲታት ቴክኖሎጂ ዝለዓሉ ምጉታት ብምውዕወዖም ከም ዝኾነ ይገልጽ።

"ኣብ ዝሓለፉ 12 ክሳብ 18 ኣዋርሕ፡ ኣብ ገጻት እቶም ምህርቲታት ቴክኖሎጂ ዝጠፍእ ግዜ፡ ዘለዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ብሰፊሑ ክውስኽ እንከሎ፡ እዚ እቶም ትካላት ቴክኖሎጂ ነቲ እናወሰኸ ዝመጽአ ጸቕጢታት ክሓስቡሉ ገይሩዎም እዩ'' ኢሉ።

ብፍላይ ኣፍረይቲ ስማርት ስልኪታት ምህርታቶም ኢንተርኔት ምጥቃም ምቹኣት ስለ ዝኾና ቀንዲ ተነቀፍቲ ኮይኖም እዮም።

ከም ኣብነት ኩባንያ ኣፕል፡ ብምኽንያት ኣብ ህጻናት ዝረአ ወልፊ ምጥቃም እቶም ሞባይላት፡ መፍትሒ ክፈጥር ካብ ሰብ ሃፍቲ ጻውዒት ቀሪቡሉ ነይሩ።

እቲ ትካል ብወገኑ፡ ኣብ 2008 ቤተሰብ ኣይፎን ንምቁጽጻር ዘኽእል መስርሕ ዘተኣታተወ ኮይኑ ቤተሰብ ደቆም ዝጥቀሙዎም ትሕዝቶታት ክቆጻጸሩ ዘኽእሎም መስርሕ ንምፍጣር ጻዕሪ እናገበረ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ።

ኣብ ቀረባ ዝወጹ ሓበሬታታት ከም ዝሕብሩዎ፡ ልዕሊ ፍርቂ መናእሰይ ኣመሪካ፡ ናይ ሞባይል ወልፊ ኣለና ኢሎም ከምዝሓስቡ ይገልጽ።

እዚ ድማ ብዙሕ ተጠቀምቲ እቶም ምህርቲታት ዘብጽሕዎ ጉድኣት ስለዝርድኡ፡ እቶም ሰብ ሃፍቲ እቲ ትካል ክጭነቑ ገይሩዎም እዩ።

ብኻልእ ወገን ትካላት ማሕበራዊ ሚድያ ብናይ ምስጢር ኣሕሊፍካ ምሃብ ይሕመሳ እየን ዘለዋ።

ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ድማ ኣብ ቁጽጽር አዐርየን ክሰርሓ ከም ዘለወን ኣይቪስ ይሕብር።

ፌስቡክ ዓማዊሉ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ መርበቡ ከሕልፉ ከም ዘለዎም ኣብ ምፍላጥ ክሕግዝ ሓላፍቱ ከም ዝኾነ እንክገልጽ፡ ትዊተር ግን ኣብዚ ጉዳይ ስቕታ እዩ መሪጹ።

ካብ ወልፊ ናይ ምንጋፍ ሓሳብ

ውጽኢት ቴክኖሎጂ ዝኾኑ ነገራት፡ ምጥቃም ከቋርጽ ኣለኒ ኢልኩም ሓሲብኩም ትፈልጡ'ዶ?

ግደ ሓቂ ቁጽሪ ውጽኢታት ቴክኖሎጂ ምጥቃም፡ ከቋርጹ ዝደልዩ ሰባት እናወሰኸ እዩ። እዚ ድማ ትካላት ቴክኖሎጂ ውዒሉ ሓዲሩ ከም ዝጎድኦም ይፈልጡ እዮም።

ወልፊ፡ ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእል ቀያዳይ ባህሪ ስለዝኾነ "እዞም ትካላት ቴክኖሎጂ ፡ናይ ምህርቲታቶም ውሉፍ ክትከውን ኣይደልዩን'' ይብል ኒር።

''ብኣንጻሩ፡ ጥዑይ ብዝኾነ ኣገባብ፡ ኩሉሻብ ተጠቃሚ ምህርቶም ክትከውን እዮም ዝደልዩኻ፡ እዚ ድማ ምህርቶም ምስ እትፈትዎ እዩ '' ክብል፡ ኒል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

መብዛሕተኦም ሰባት እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ፡ መብዛሕቲኡ ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃም፡ ንክልተ ሰዓታት ኣብ ቴሌፎኖም የሕልፉ። ገለገለ ሰባት ድማ ልዕሊ ሽዱሽተ ሰዓታት፡ ኢንተርኔት ኣብ ምጥቃም የሕልፉ።

እዚ ልክዕ ዝሰኣነ ኣጠቓቐማ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ጠንቂ ጥዕና ኣእምሮ እዩ።

"ሰባት እቲ ዝገዝእዎ ንብረት ጉድኣት የብጽሐለይ እዩ፡ ኢሎም ዝሓስቡ እንተኾይኖም፡ እቲ ስራሕ ሕማቕ እዩ ማለት እዩ'' ይብል ኮምፒዩተር ሳይንቲስት ፕሮፌሰር ማት ጆንስ።

ስለዚ ትካላት ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ።

እቶም ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ባዛዕባ ኣብ ኣጠቓቐማ ኢንተርኔትን ማሕበራዊ ሚድያን ዘምጽእዎ ለውጢ ንምግምጋም ገና እኳ እንተኾነ፤ ኒር ኢያል ግን ባህሪና ክንቅይር ይግባእ በሃሊ እዩ።

"እቶም ትካላት ምህርቲታቶም ሰሓብቲ ምግባሮም ለውጢ እምበር ጸገም ኣይኮነን። ኣብ ቀረባ ጠጠው ከብልዎ ዝኽእሉ ነገር እውን ኣይኮነን።''