ሓጹር መንደቕ ኣሜሪካን ሜክሲኮን፡ ፔንታጎን 1 ቢልዮን ዶላር ኣሰጋጊሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፔንታጎን ንመስርሒ መንደቕ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝውዕል 1 ቢልዮን ዶላር ናብ ወታደራውያን ኢነጂነራት ኣሰጋጊሩ።
እዚ ምወላ ፐረሲደንት ትራምፕ ንኮንግረስ ንምጉሳይን ነቲ ፕሮጀክት ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብን ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ተግባራዊ ካብ ዝገብር ናይ ፈለማ ኢዩ።
ዲሞክራትስ ግና ተቓዊመሞ ኣለዉ።
እዚ ምወላ 91 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ሓጹር ኣብ ምስራሕ ክውዕል ኢዩ።
መግለጺ ፔንታጎን ከም ዘመልክቶ፡ ተጠባባቒ ጸሓፊ ምክልኻል ፓትሪክ ሻናሃን፡ ንኽፍሊ ምህንድስና ሰራዊት ኣብ ጎኒ ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታን ምክትታል ዶባትን ብምዃን ነዚ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ሓጹር ንምስራሕ ውጥን ከውጽእን ከተግብርን ሓላፍነት ሂብዎ ኣሎ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ሚኒሰትሪ ምክልኻል ሓጹር ክሰርሕ ፈደራላዊ ሕጊ ከም ዘፍቅደሉ ጠቒሱ።
ናይ ዲሞክራትስ ሴነተራት ግና፡ ፐንታጎን ካብ ዝምልከቶ ኮሚቴ ፍቓድ ከይረኸበ ኢዩ ምምሕልላፍ እዚ ምወላ ንኮንግረስ ዘፍለጠ ብምባል የዕዘምዝሙ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ሰነተራት ናብ ሻናሃን ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳቤ፡ ንምስግጋር እቲ ምወላ ብትሪ ከም ዝነጽግዎን፡ ምኒስትሪ ምክልኻል እቲ ጉዳይ ንዝምለከቶ ኮሚቴ ኮንግረስ ከየፍቀደ ሰለ ዝገበሮ ሕጋውነት ዘይብሉ ምዃኑን ከም ዘገለጽሉ ሲኤንኤን ጸብጺቡ።
ትራምፕ ንመስርሒ መንደቕ ንኮንግረስ ዘቕረቦ ናይ 5.7 ቢልዮን ዶላር ሕቶ ምስ ተነጽገ፡ ኣብ ለካቲት 15 ንኮንግረስ ጎስዩ ካብ ወታደራዊ ባጀት ምወላ ክረክብ ዘኽእሎ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣመሓላሊፉ ኢዩ።
ዲሞክራትስ ነቲ ውሳኔ ዘይቅዋማዊ ክብሉ ተቓዊመሞ ኢዮም።
ብዲሞክራትስ ዝዕብለል ታሕተዋይ ባይቶ ኣብ ዝሐለፈ ወርሒ ነቲ ኣዋጅ ዝግልብጥ እማመ ምሕላፉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ እማመ ናብ ሰኔት ዝለኣኽ ኢዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







