መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምርመራ ከም ዝተጀመረን ግዜ ከም ዝወስድን ገሊፁ

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፡ መንቀሊ ናይቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት ንምጽራይ ዝግበር ምርመራ፡ ግዘ ክወስድ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

"ዋላ'ኳ እቲ ሓደጋ ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን እንተኾነ፡ ብሓደ ገፅ ንዓማዊልና ከምቲ ልሙድ እናተኣናገድና በቲ ካልእ ገፅ ድማ ንስድራ ግዳያት እናተቐበልና ኢና" ኢሉ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ።

ምትእጉጓል በረራታት ከየጓነፈ ስርሑ ይቕፅል ምህላዉ'ውን እቲ ፈፃሚ ስራሕ ገሊጹ። እቲ ሓደጋ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብድሕነት በረራ ንዘለዎ ጽቡቕ ስም ዝሃስዮ ከምዘይኮነ ድማ ኣረዲኡ።

"እቲ ሓደጋ ምስ ዘለና ዝና ድሕነት በረራ ዝራኸብ ኣይኮነን" ዝበለ ኣይተ ተወልደ፤ መንቀሊ ናይቲ ሓደጋ፡ ድሕሪ ምጽራይ ጥራሕ ዝፍለጥ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

"መገዲታት ኣየር ካልኦት ሃገራት ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ካብ ምጥቃም ክዕቀባ ጀሚረን ኣለዋ። ኣብዘን ዓይነት ነፈርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሓፂር ግዜ ክልተ ዘስካሕክሑ ሓደጋታት ስለዘጋጠመ ንሕና'ውን ክንጠራጠር ኪኢልና ኢና" ኢሉ።

ብድሕሪ'ቲ ሓደጋ ነተን ነፈርቲ ካብ ምጥቃም ከም ዝተዓቀቡ ብምሕባር፡ ቻይና 97 ነፈርቲ ምእጋዳ፡ ኢንዶነዢያ፣ ሲንጋፖር፣ ኣወስትራልያ፣ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምውሳደን ኣዘኻኺሩ።

"እዚ ዘርእየና ነገር እንተሃለወ እተን ዓይነት ነፈርቲ [ቦይንግ 737 ማክስ 8] ፀገም ዲዛይን ከም ዘለወን'ዩ።" ኢሉ ኣብ መግለፂኡ።

ዋላ'ኳ ገና ብምርመራ ዝረጋገፅ እንተኾነ፡ "እቲ ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ላየን [ኢንዶነዥያ] ዘጋጠመ ሓደጋ ሸሞንተ ደቒቓ ጥራሕ ምስ ተጓዓዘት'ዩ ሓደጋ ዝበፅሓ። ኣብታ ናትና'ውን ድሕሪ ሽድሽተ ደቒቓ እዩ" ክብል ነቲ ምምስሳል ኣረዲኡ።

"ብመንፅር ድሕነት ክረኣይ ከሎ ብዘይተረጋገፀ ምኽንያት ኢና ካብ ስራሕ ኣጊድናየን ዘለና። ይኹን ደኣ'ምበር ነቶም ኣጋጣምታት ክነራኽቦም ክንፍትን ከለና፡ ኣብ ልዕሊ ሓደሽቲ ነፈርቲ እሞ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥም ብምኽኣሉን ሰብ ሞያ'ውን ነዚ ክምርምሩ ብምፅንሖም በተን ነፈርቲ ናብ ተወሳኺ ሓደጋ ምእታው ኣየድልይን።" ክብል ምኽንያት ምእጋድ በረራ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ኣብሪሁ።

ይኹን ደኣ'ምበር ኣብ ኣታዊ እቲ መገዲ ኣየር፡ ኣሉታዊ ፅልዋ ምፍጣሩ ከም ዘይተርፍ ብምግላፅ "ኣታዊ ካብ ድሕነት ዝቕድም ኣይኮነን" ኢሉ።

ብቕዓት ኣብረርቲ

እዘን ቦይንግ ማክስ 8 ዝበሃላ ነፈርቲ ምስተን ካልኦት ቦይንግ 737 - 800 ኤን ጂ ዝበሃላ ዓይነት ነፈርቲ [መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 26 ነፈርቲ ኣለውኦ] ብዙሕ ዝፍለያ ኣይኮናን።

ኣይተ ተወልደ "ንማክስ ጥራሕ ብዝብል ቦይንግ ዘዳለዎ ስልጠና ኣሎ፤ ንኹለን መገዲታት ኣየር ሓደ ዓይነት'ዩ፤ ንሕና'ውን እቲ ስልጠና ሂብና ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

እዘን ዓይነት ነፈርቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ'የን ናብ መገዲ ኣየር መፂአን። እዛ ሓደጋ ዘጋጠማ ነፋሪት ራብዓይ ወርሓ ኣብ ዘቑፀረትሉ እዋን ብዙሕ ሰዓታት በሪራ'ያ።

ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር 'ላየን' - ኢንዶነዥያ ዝበፅሐ ሓደጋ ምስ ተፈለጠ፡ ሕቶታት ስለዝተለዓሉ፡ ኩባንያ ቦይንግ ኣብረርቲ ነዚ ንኽፈልጡ 'ከምዚ ዝበለ ፀገም ከጋጥም ከሎ ከምዚ ክትገብሩ ኣለኩም' ብዝብል ተወሳኺ ስልጠና ምሃቡ ካብ መግለፂ ኣይተ ተወልደ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

"ነዚ ኣብ ማንዋል ስልጠናና ክካተት ብምግባርን ኣብ ሲሙሌተር (ምስለ በረራ) ብምእታውን ምሉእ ስልጠና ሂብና ኢና" ኢሉ።

መስርሕ ምርመራ?

እቲ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ከም ዝበሎ፡ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ ሰለስተ ኣካላት'ዮም ኣብ ምርመራ ተሳትፎ ዝገብሩ።

"ሓደ፡ እታ ነፋሪት ዝተመዝገበትላ ሃገር ማለት'ውን በቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ እንተሪኢና ኢትዮጵያ ትኸውን ኣላ። ካልኣይ፡ ሓደጋ ዝተኸሰተላ ሃገር፤ ኣብዚ'ውን ኢትዮጵያ ትኸውን ኣላ። ሳልሳይ፡ ነታ ነፋሪት ዝሰርሐ ትካል ዝርከበላ ሃገር፡ ስለዚ ቦይንግ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ኩባንያ ስለዝኾነ፡ ኣሜሪካዊ ትካል ኤን ቲ ኤስ ቢ (ናሽናል ትራንስፖርቴሽን ሴፍቲ ቦርድ) ተሳታፊ ክኸውን'ዩ" ክብል ኣረዲኡ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኩባንያ ቦይንግን ነቲ ኩነታት ዘረድኡ [መብርሂ ዝህቡ] ኮይኖም ክቕርቡ እዮም።

"ተወሰኽቲ ክኢላታት ዘድልዩ እንተኾይኖም ከኣ ክጥቀሙ እዮም። ካብ ኣሜሪካ ዝተለኣኹ ኣትዮም ኣለዉ። ናትና ጉጅለ'ውን ተጣይሹ'ዩ። ስለዚ እቲ ምርመራ ተጀሚሩ'ሎ ምባል ይከኣል" ኢሉ።

ብቐዳምነት ዝፍፀም መስርሕ ምርመራ፡ ሓበሬታን መረዳእታን ምእካብ'ዩ ክኸውን። ሕዚ ተጀሚሩ ዘሎ'ውን ንሱ'ዩ።

"ብዙሕ ዝረአ ነገራት ስለዝህሉ እቲ ምርመራ ግዜ ምውሳዱ ኣይተርፍን" ክብል ኣረዲኡ።

ጉዳይ ካሕሳ ብዝምልከት ድማ፡ ንዓለማዊ ሕጊ መሰረት ብምግባር ተፈፃሚ ከም ዝኸውን ሓቢሩ።