እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
በዓልመዚ ኣቭየሽን ኣመሪካ፡ 'ቦይንግ 737 Max 8' ነፋሪት፡ ውሕስቲ እያ ኢሉ
ድሕሪ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ስርሓት 'ቦይንግ 737 Max 8' ነፈርቲ አገልግሎት ደው ከብላ ዝተወሰደ ስጉምቲ፡ ሰብመዚ ኣቭየስን ኣመሪካ ተቓዊሞምዎ።
በዓልመዚ ኣቭየሽን ኣመሪካ፡ ስርሓት 'ቦይንግ 737 Max 8' ነፈርቲ ውሕሳት እየን ዝብል እምነት ከምዘለዎ ንመገድታት ኣየር ኣፍሊጡ።
እታ ብሰንበት ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ተመሳሳሊ ስርሓት ዘለዋ ክትከውን ከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ናይ ላየን ኤር 'ቦይንግ 737 Max 8' ነፋሪት ኣብ ኢንዶኒዥያ ተሓምሺሻ 189 ሰባት ሞይቶም እዯም።
ድሕሪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ እዘን ነፈርቲ ኣገልግሎት ምሃብ ደው ከብላ ገለ ሰብ ሞያ ኣቭየሽን ጸዊዖም እዮም።
ትማሊ ሰኑይ ግን፡ በዓል መዚ ኣቭየሽን ኣሜሪካ እተን ነፈርቲ ውሑሳት እየን ዝብል መግለጺ ሂቡ'ሎ።
ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ቻይና፣ ኢንዶኒዥያን ኢትዮጵያን ነፈርቲ ብ'ቦይንግ 737 Max 8' ኣገልግሎት በረራ ደው ከምዘበላ ኣፍሊጠን እየን።
ካልኦት'ውን፡ በዘን ነፈርቲ ዝግበር በረራታት ብግዚያውነት ከምዝኣገዱ ገሊጾም እዮም።
ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ዕዳጋ ብርኪ (ሼር) ናይ ቦይንግ ብ 12.9% ነክዩ።
ሚኒስተር ትራንስፖርት ኣመሪካ፡ እንተደኣ ኣብተን ነፈርቲ ጸገም ተረኺቡ፡ በዓልመዚ ኣቭየሽን ኣሜሪካ 'ቅልጡፍን ግቡእን ስጉምቲ እዩ ዝወስድ' ኢሉ።