ኬንያ ብምኽንያት ኣድማ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ተዓጊቶም

ብምኽንያት ኣድማ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር፡ ገያሾ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ካብ ምእታው ተኸልኪሎም መጋቢት 6 2019

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

መግለጺ ስእሊ, ገያሾ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ካብ ምእታው ተኸልኪሎም

ኣብ ኬንያ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ብዝካየድዎ ስራሕ ናይ ምቁራጽ ኣድማ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ኣብ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ተዓጊቶም ውዒሎም።

ነቲ ተቓውሞ ንምብታን፡ ሰራዊት'ታ ሃገር፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ተዋፊሩ።

ድሒሩ እቲ ኩነታት ክሓድእን፡ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ገለ በረራታት ከአንግድን እኳ እንተኸኣለ፡ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘሎ መስርዕ ናይ ገያሾ ጌና ኣይጎደለን።

መንግስቲ ኣዳሊይዎ ዘሎ ውጥን ምሕዋስ በዓል መዚ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ሃገራዊ መገዲ ኣየር፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ከም ዘየሐጎሶም ይግለጽ።

ኣብ ከተማታት ሞምባሳ፡ ኤልዶረትን ኪሲሙን ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኩነት ኢዮም ውዒሎም።

መንግስቲ ነቲ ተቃውሞ ዘይሕጋዊ ብምባል ክኹንኖ እንከሎ፡ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኬንያ ኣብ ምፍታሽ ገያሾ ከም ዝሕግዙ ተገይሩ።

ጸረ ናዕቢ ፖሊስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይሮቢ
መግለጺ ስእሊ, ጸረ ናዕቢ ፖሊስ ነቲ ኣድማ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣድማ ዝገበሩ ሰራሕተኛታትን ጸረ ናዕቢ ፖሊስን ግጭት ዝተራእየ ኮይኑ፤ ፖሊስ ንኣድመኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተጠቕመን ገለ ካብ ኣድመኛታት ከም ዝተጎድኡን ተገሊጹ።

ብዙሓት ካብ ገያሾ ብምኽንያት እቲ ጋዝ ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽቡ ከም ዝተገደዱ ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ቀንዲ ኣወሃሃዲ እቲ ኣድማ ምዃኑ ዝተገለጸ፡ ጸሓፊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣቭየሽን፡ ሞስ እንዴማ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

መንገዲ ኣየር ኬንያ፡ ናይ ኣምስተርዳምን ሙምባይን ነዊሕ ጉዕዞ በረራትት ከም ዝነቐሉን፡ ካልኦት'ውን ይነቕሉ ምህላዎም ብምግላጽ፡ እቲ ኩነታት ይመሓሽ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ገለ ናይቲ ዞባ በረራታት ግና ተሰሪዞም ኣለው።

ግብረመልሲ ናይ ሰባት እንታይ ይመስል?

ንሰዓታት ብዛዕባ በረራታቶም ሓበሬታ ዘይረኸቡ፡ ዝተበሳጨው ገያሾ፡ እኹል ሓበሬታን ሓገዝን ብዘይምርካቦም ኣማሪሮም።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

Presentational white space

ካልኦት ድማ መንግስቲ ነቲ ኣድማ ንምብታን ሓይሊ ምጥቃሙ ከም ዘቖጥዖም ሓቢሮም።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

Presentational white space