ሽልማት ኮምላ ዱሞር 2019፡ ኮኾብ ኣፍሪቃዊ ጋዜጠኛ ንምርካብ የናዲ

ቢቢሲ ብሉጻትን ተስፋ ዝግበረሎምን ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ዝሓርየሉ ሽልማት ኮምላ ዱመር፡ ንሓምሻይ ግዘ ከካይድ እዩ።
እዚ፡ ፍሉይ ክእለት ንዘለዎም ሓደሽቲ ጋዜጠኛታት ንምልላይ ዝዓለመ ሽልማት፡ ኣብ መላእ ኣሀጉር ንዘለዉ ጋዜጠኛታት ዘሳትፍ እዩ።
ተዓዋቲ እዚ ውድድር ለንደን ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ተወሳኺ ክእለትን ልምድን ክረኽብ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዕድል ክወሃቦ እዩ።
እዚ ሽልማት ጋናዊ ኣቕራቢ ዚና ቢቢሲ ንዝነበረን፡ ኣብ 41 ዓመቱ ብ 2014 ብሃንደበት ህይወቱ ዝሓለፈን ኮምላ ዱመር ንምዝካር ዝተመደበ ኮይኑ፡ ክሳብ 26 ለካቲት 2019 ሰዓት 23፡59 ንኣመልከቲ ክፍቲ ኮይኑ ክፀንሕ እዩ።


ናይዚ ዓመት መደብ ሽልማት ኣብ ናይጄሪያ ሌጎስ ዝኽፈት ኮይኑ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝሰርሕን ዝነብርን፡ ርኡይ ክእለት ጋዜጠኝነት ዘለዎ፡ ኣፍሪቃ ዝምልከቱ ፍሉያት ዛንታታት ዘቕርብ፡ መጻኢ ኮኽብ ጋዜጠኛ ንምዃን ሓያል ባህግን ዓቕምን ንዘለዎ ጋዜጠኛ ዝወሃብ እዩ።

ዕውታት ናይ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት
•2015 ናንሲ ካኩንጊራ ካብ ዩጋንዳ
•2016 ዲዲ ኣኪንየሉር ካብ ናይጄርያ
•2017 ኣሚና ዩጉዳ ካብ ናይጄርያ
•2018 ዋሂጋ ምዋውራ ካብ ኬንያ

ተዓዋቲ ዝሓልፈ ዓመት ኬንያዊ ዋሂጋ ምዋውራ፡ ኣብ ቶጎ ካብ ዘገልገሉ ናይ ኤልክትሪክ ኣቑሑት 3ዲ ፕሪንተራትን ሮቦታትን ብዛዕባ ዝሰርሑ መሃዝቲ መንእሰይ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Joshua Wanyama
"ኮምላ ኣፍሪቃ ዝምልከቱ ዛንታታት እንተቕርብ ከመይ ስምዒታዊ ከም ዝነበረ ትርዳእ… ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዝቐርቡ ዝነበሩ ዛንታት ንምቕያር ዝነበሮ ደሌት ምስ ካለኦት ዓለም ለኻዊ ጋዜጠኛታት ጠጠው ኢሉ እዩ" ይብል ዋሂጋ።
ብተወሳኺ ምስ መሓዙትን መሳርሕትን ኮምላ ኣብ ቢቢሲ ፃንሒት ምግባረይ ናይ ኮምላ ፅቡቕ ስራሕ ከቐፅልን ከም ናይ ኮምላ ብቕዓት ዘለዎም ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ፍሉያት ዛንታታት ኣፍሪካ ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብ ዓለም ከባጽሑ ዝኽእሉሉ ግዘ ከማዕዱ ገይሩኒ ይብል።
ዋሂጋ ግደ ናይጄርያውያን መንእሰይ ኣብ ቀፃሊ መረፃ እታ ሃገር ኣመልኪቱ፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ምድላው ቢቢሲ ንዘዳልዎ ክትዕ ክመርሕ እዩ።
ዳይረክተር ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ጄሚ ኣንገስ ብወገኑ "ሓቀኛን ካብ ወገንተኛነት ዝፀረየን ጋዜጠኝነት በዙሕ ቆላሕታ ኣብ ዘይረኸበሉ እዋን ዛንታታት ኣፍሪቃ ዝፈልጡን ዝርድኡን ጋዜጠኛታት ምድላይ ኣብታ ኣህጉር ብዛዕባ ዘለዉ ኩነታት ንምፍላጥ ጠቓሚ እዩ" ይብል።
ብተወሳኺ "ኣብ ሕሉፍ እዋናት ዝተዓወቱ ጋዜጠኛታት ፍሉያት ምኻኖም ኣርእዮም እዮም… ከምኡ 'ውን ንናይ ውሽጢ ኣህጉር ሰማዕቲ ከመይ ምስታፍ ከም ዝከኣል ኣመልኪቶሙና እዮም፤ ውርሲ ኮምላ ምቕፃልና የሐጉሰና… ካልኦት ንፉዓት ጋዜጠኛታት ካብ ኣፍሪካ ክንረክብ ድማ ንፅበ" ክብል ገሊፁ።
- ኣብቲ ውድድር ክትሳተፉ ከም እትኽእሉ ንምርግጋጽ
- ብዛዕባ እቲ ውድድር ንኻልኦት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምንጋር ነዚ መለለዪ ተጠቀሙ #BBCKomlaAward.




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







