መራሒ ተቓውሞ ቬንዙዌላ ኲናት ሓድሕድ ኣይክህሉን`ዩ ይብል

መራሒ ተቓውሞ ቬንዙዌላ ኩዋን ጓይዶ ፕረሲደንት ኒኮላስ ማዱሮ ኣብ`ታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ናብ ኲናት ሓድሕድ ከምርሕ ይኽእል`ዩ ክብል ንዝሃቦ መጠንቀቕታ ነጺጉዎ።

ጓይዶ ንነብሱ ፕረሲደንት ቬንዙዌላ`የ ኢሉ ኣዊጁ`ዩ፡ ንኣሜሪካ ሓዊስካ ድማ ካብ ሓያላን ሃገራት ድጋፍ ረኺቡ`ሎ።

ኲናት ክህሉን ከይህሉን ኣብ `ዕብዳን` ኣሜሪካን መሻርኽታን`ዩ ዝምርኮስ ኢሉ ፕረሲደንት ማዱሮ። ሚስተር ጓይዶ ግን ነዚ ኣበሃህላ ናይ ፕረሲደንት ማዱሮ `ምህዞ` እዩ ብምባል ነጺጉዎ።

ልዕሊ ፍርቂ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ትማሊ ሰኑይ ንሚስተር ጓይዶ ከም ጊዜያዊ ፕረሲደንት ኣፍልጦ ምስ ሃባ ድማ፡ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ማዱሮ ሓዪሉ።

እቲ ዝተዋህበ ኣፍልጦ፡ ፕረሲደንት ማዱሮ ሓድሽ ምርጫ ከፍቅድ ብብሪጣኒያ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ስጳኛን ዝተዋህቦ ጊዜ ገደብ ምስ ሓለፈ`ዩ ስዒቡ መጺኡ።

ማዱሮ ድሕሪ`ቲ ሓያሎ መራሕቲ ተቓውሞ ብምሕራምን ብሰንኪ ማእሰርትን ዘይተሳተፍዎ ኣካታዒ ምርጫ`ዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኻልኣይ እዋን ናይ ፕረሲደንትነት ቃለ-መሓላ ፈጺሙ።

ከም ግብረ-መልሲ ናይ`ዚ ድማ እቲ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ቬንዙዌላ ዝኾነ ሚስተር ጓይዶ፡ እቲ ፕረሲደንት ዘይሕጋዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ንግዚኡ ስልጣን ክርከብ ቅዋም`ታ ሃገር ከምዘፍቅደሉ ኣፍሊጡ።

ንምታይ`ዩ ኲናት ድሕድ ዝዝረበሉ ዘሎ?

ጓይዶ ነቲ ፕረሲደንት ማዱሮ ብሰንበት ዝሃቦ ቃለ-መሕትት`ዩ ርእይቶ ሂብሉ።

እቲ ኣብ ቬንዙዌላ ዘሎ ቅልውላው ኲናት ሕድሕድ ከስዕብ ዝኽእል እንተኾይኑ ብቴለቪዥን ስጳኛ ምስ ተሓተተ፡ `ነዚ ሕቶ`ዚ ብርግጸኛነት ክምልሶ ዝኽእል ሰብ የለን` ኢሉ ፕረሲደንት ማዱሮ።

`ኩሉ ነገር ኣብ መጠን ዕብዳንን ጎነጽን ናይ`ታ ሰሜናዊት ኢምበራጦሪያን [ኣሜሪካ] ምዕራባውያን መሻርኽታን`ዩ ዝምርኮስ` ኢሉ።

`ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢዱ ከየእቱ ንሓትት፡ ንሃገርና ንምሕላው ድማ ንዳሎ` ኢሉ ንሱ።

ጓይዶ ብወገኑ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ `ኣብ ቬንዙዌላ ተኽእሎ ኲናት ሓድሓድ የለን፡ እዚ ምህዞ ናይ ማዱሮ`ዩ` ኢሉ ።

መንግስቲ ማዱሮ ገንዘብ ህዝቢ ዝኾነ ኣስታት 1.2 ቢሊዮን ዶላር ናብ ኡራጓይ ከግዕዝ ይህቅን ከምዘሎ`ውን ጠቂኑ፡ መርትዖ ግን ኣየቕረበን።

እቲ ካልእ ዓለም`ከ ነዚ ቅልውላ ከመይ ይርእዮ?

ብውሑዱ 17 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብወግዒ ንጓይዶ ከም ጊዜያዊ ፕረሲደንት ቬንዙዌላ ኣፍልጦ ሂበንኦ`ለዋ። ሓያሎ ካብኣተን ማዱሮ ሓድሽ ምርጫ ከካይድ ይሓታ ኣለዋ።

ከም ግሪኽን ኣየርላንድ ዝኣመሰላ ካልኦት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ግን ንጓይዶ ኣፍልጦ ኣይሃባን ዘለዋ፡ ሓድሽ ምርጫ ክግበር ግን ሓቲተን ኣለዋ።

ማዱሮ`ውን ቻይናን ሩስያን ዝርከብአን ሓያላት መሻርኽቲ ሃገራት ኣለውኦ። ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቬንዙዌላ ኢድ የተኣታትዋን `ንዝተመንዝዐ ስልጣን ሕጋውነት ከልብሳ` ይህቅናን ኣለዋ ኢለን ወቒሰንአን ኣለዋ።

ማዱሮ እቲ ወሳኒ ዝኾነ ደገፍ ናይ ሰራዊት`ውን ኣለዎ። እቲ ሰራዊት `ምስ ኣገዳሲ ሕርያ ተፋጢጡ`ሎ` ኢሉ፡ እቲ ረዲኤት ኣብ ዶብ ምስ በጽሐ ናይ ምስላጥ ስራሓት ከካይድ ዝህቅን ዘሎ ጓይዶ።

ንምንታ`ዩ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሓድነት ዘየለ?

ሕብረት ኤውሮጳ ብልምዲ፡ ንሓደ መንግስቲ ኣፍልጦ ንምሃብ ወይ ንዘይብሃብ ውሳነ ኣይህብን`ዩ።

ኣባል ሃገራት ግን በብውልቀን ስጉምቲ ወሲደን። እቲ ብብሪጣኒያ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ስጳኛን ዝምራሕ ዝተወሃሃደ ስጉምቲ ድማ፡ ንኻልኦት ኣባል ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ዝምድራኽ ዝዓለመ`ዩ።

ዛጊት ልዕሊ ፍርቂ ኣባል ሃገራት`ቲ ሕብረት ንሚስተር ጓይዶ ከም ጊዜያዊ ፕረሲደንት ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ። ካልኦት ኣባልት ግን ንባዕሉ መራሒ`የ ኢሉ ንዝኣወጀ ሰብ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ሕማቕ ኣብነት ከይኮና ተቖጢበን ኣለዋ።

እቲ ህዝበኛ (populist) ዝኾነ ኣብ ጣሊያን ዘሎ ልፍንታዊ መንግስቲ ግን ኣብ`ዚ ጉዳይ ተገማሚዑ`ዩ ዘሎ። ዝኾነ ይኹን ዝተወሃሃደ ውጥን`ውን ኣይክህልዎን`ዩ። እቲ ምንቅስቓስ ፋይፍ ስታር ዝበሃል ኣባል`ቲ ጥምረት `ሕብረት ኤውሮጳ ሓንቲ ሃገር እንታይ ክትገብር ከምዘለዋ ክነግራ ስርሑ ኣይኮነን` ኢሉ።

እንታይ`ዩ እቲ ድሕረ ባይታ?

እቲ ድሕሪ ሞት ሁጎ ሻቬዝ ኣብ 2013 ስልጣን ዝተረከበ ማዱሮ ብግህሰት ሰባኣዊ መሰላትን ዘይቅርዑይ ኣተሓሕዛ ቁጠባን ክኹነን ጸኒሑ`ሎ።

ኣብ`ታ ሃገር፡ ኣዝዩ ሓያል ዝኾነ ሕጽረት መድሃኒትን መግብን ካልኦት ነገራትን ኣሎ፡ ዓሚ ወሰኽ ዋጋታት ዘስዓበ ዝቕባበ`ውን ኣሎ።

ሓያሎ ቬዙዌላውያን ድማ ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ቁጠባዊ ቅልውላው እናበርትዐ ካብ ዝመጸሉ ካብ 2014 ንነጀው፡ ሰልስተ ሚሊዮን ቬንዙዌላውያን ተሰዲዶም ኣለዉ።