እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ፡ መራኽብ ኣብ ጥቃ ክሪምያ ከቢድ ባርዕ ኣጋጢምወን
ባንዴራ ታንዛንያ ዘንበልብላ ክልተ ናይ ጽዕነት መራኽብ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ብምቅጻለን ኣስታት 11 ከም ዝሞቱ ሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ሩስያውያን ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን፡ ነቶም ካብ መራኽብ ዘሊሎም ናብ ባሕሪ ዝኣተው ባሕረኛታት ከድሕንዎም ይፍትኑ ምህላዎም ተገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ 14 ሰባት ድሒኖም ከም ዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ሓንቲ ካብተን ኣጋንእ ጋዝ ዝጸዓና መራኽብ ምስ ተቓጸለት፡ ነትጕ ብምስዓቡ ነተን ካልኦት ለኪማተን።
እታ መርከብ ነዳዲ ናብ ካልእ መርከብ ከተሰጋግር እንከላ ሓዊ ከም ዘጋጠመን፡ እቶም ባሕረኛታት ክዘሉ ከም ዝተገደዱን ትካል ጕዕዞ ሩስያ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ቀዲሙ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዝኾነ ምልክት ካብ ክልቲኦም መራሕቲ መራኽብ ከም ዘይተቐበለ ገሊጹ ነይሩ።
ሰብመዚ ሩስያ ከም ዝሓበርዎ፡ እተን መራኽብ ኣብ ዓለም ለኻዊ ማያት እናተጓዕዛ እንከለዋ፡ እቲ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ሓቢሮም።
ወሽመጥ 'ከርች' ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረንን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ኣቃልቦ ማሕበረሰብ ስሒቡ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።