ኣልጀርያ፡ ወይዘሪት ኣልጀርያ 2019 ዝኾነት ካዲጃ ንዓሌታዊ ተቓውሞ ምላሽ ሂባትሉ

ምንጪ ስእሊ, Miss Algerie
ሓዳስ ወይዘሪት ኣልጀርያ ኮይና ዝተመረጸት ኣልጀርያዊት ካዲጃ በን ሃሙ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበታ ንዘጋጠማ ተቓውሞን ነቀፌታን ምላሽ ሂባ።
"ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበተይ ብዝነቕፉኒ ሰባት ንድሕሪት ኣይክምለስን'የ" ክትብል ምስ ናይ ኣልጅርያ ማዕከን ዜና ቲኤስኤ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ተዛሪባ።
ኣብ ፌስቡክን ኣብ ትዊተርን ብዛዕባ ሕብሪ ቆርበታ፡ ኣፍንጫኣን ከንፍራን ብዙሕ ሕማቕ ነገር'ዩ ክዝረብ ጸኒሑ።
ኣብ ኣልጀርያ ጸሊም ቆርበቶም ሰባት ብዙሕ ተነጽሎ'ዩ ዘጋጥሞም።
ካብ ደቡባዊ ዞባ ኣደራር ኣልጀርያ ዝመጸት ካዲጃ፡ ነዚ ውድድር ምዕዋታን ብዘለዋ ሕብሪ ቆርበትን ሕብንቲ ምዃና ድሕሪ ምግላጽ፡
"ዝሓልሞ ስለ ዝረኸብኩ ሕብንቲ'የ፡ ካብቲ ዝመጻኽሉ ዞባ ኣደራር'ውን ጽቡቕ ኣቀባብላ'ዩ ተገይሩለይ" ኢላ።
ካዲጃ በን ሃሙ ብምስዓብ " ነዘን ኣብዚ ኣነ ዝነብሮ ዞባ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዩ ክኣ፡ ኣብ ዝመረጽኦ ብዓቢ ፍናን ክወዳደራ የተባብዐን'የ" ትብል።
ብመሰረት ካብ ናይ ፋሽን መጋዚን ዝኾነት ቫጉ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ድሕሪ እታ ኣብ 2005 ዝተዓወተት ጸላም ናሲማ ሞካድም፡ ካዲጃ በን ሃሙ ንፈለማ እዋን'ያ ትዕወት ዘላ።
ካዲጃ በን ሃሙ፡ ወይዘሪት ኣልጀርያ 2019 ንክትባሃል ከቢድ ምውድዳር ዝነበሮ 20 ዙርያታት ሓሊፋ'ያ ብቀዳም ነዚ ክብሪ እዚ ክትረክብ በቒዓ።
ንካዲጃ በን ሃሙ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕራዊ ሚድያ ንጽባቐ ኣልጀርያ ኣይትውክልን'ያ ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ንዓኣ ክድግፉ ጸኒሖም'ዮም።
ካዲጃ በን ሃሙ ግን "ንሰብ ብዘይ ኣፍልጠኦም ኣይንንቀፎም፡ ኣብ ሞንጎ ጻዕዳን ጸሊምን ቆርበት ፍልልይ የለን" ክትብል ምስ ናይ ኣልጅርያ ማዕከን ዜና ዝኾነት ቲኤስኤ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ተዛሪባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







