ብሪጣንያ ስደተኛታት ንምግታእ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዓቕምታተን ኣወሃሂደን ብዝከኣለን ዓቕሚ ይሰርሓ ኣለዋ። ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሳጂድ ጃቢድ፡ ብሪጣንያ ስደተኛታት ኣይትጸውርን እያ ምባሉ እውን ይንገር።
ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያን ሳጂድ ጃቢድ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ንዝፍትኑ ስደተኛታት ንምግታእ ንዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ንምዕዛብ ንዶቨር በጺሑ፤ ድሕሪ ደጊም ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ፈረንሳ ንዝሰግራ ዝኾነ ስደተኛ ከምዘይትጻወር ሓቢሩ።
ካብቲ መግለጺ ዝተበገሱ ኤርትራውያን ምሁራት፡ እቲ መልእኽቲ፡ ነቶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ተሓቢኦም ካብ ካለይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኣትዉ ንዝፍትኑ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ምዃኑ እውን ብምሕባር፡ ሰባት ብህይወቶም ንኽይጣልዑ ኣዘኻኺሮም።
ኣብዚ ቀዝሕን ዛሕልን ዘለዎ ቆራሪ ወቕቲ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ካብ ፈረንሳ ብመገዲ ካለይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ዝፈትኑ ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣስታት 101 ቖልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም ስደተኛታት ብ10 ፕላስቲክ ጀላቡ፡ 21 ማይል ንዝርሕቀቱ ኢንግሊዝ ቻነል ሰጊሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኣትዉ ከምዝፈተኑ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ንባይቶ ሃገሩ ሓቢሩ።
ንሱ፡ ሓደጋ ቅድሚ ምስዓቡ ካብተን ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ኣብ ምድሓን ህይወት ተዋፊረን ዘለዋ መራክብ ናብ ኢንግሊዝ ቻነል ክስሕበን ሓሳብ ከምዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ እዋን ልደተ ክርስቶስ ተኸተልቲ ጎሮጎርያን ዓውደ ኣዋርሕ፡ ሽዱሽተ ኢራናውያን፡ ብፕላስቲክ ጃልቫ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ምስ ኣተው፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዝተሻቐለ እቲ ምኒስተር ዕረፍቱ ኣቋሪጹ ስለዝተመልሰ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ ነይሩ።
ዝበዝሐ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ስደተኛታት በዚሖሙና ብምባል ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ንኪወጽእ ስለዘድመጸ፡ እዚ ሕጂ ብኸቢድ ዋጋ ዝግበር ዘሎ ፍትሕ-ብረግዚት፡ ዝኾነ ይኹን ስደተኛ ክርእን ክቕበልን ጽሮት የብሉን።
እቲ ንዶቨር ዝበጽሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ሳጂድ ጃቢድ " ዝኾነ ሓታት ዑቕባ፡ እንተደኣ ሓቀኛ ደላይ ዑቕባ ኮይኑ ስለምንታይ ኣብታ መጀመርታ እግሩ ዝረገጸላ ውሕስቲ ሃገር ዑቕባ ዘይሓትት? ስለምንታይ ሰባት ንፈረንሳ ረጊጾም ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ይመጽኡ?" ዝብል ሕቶ ክሕተት ኣገዳሲ እዩ ብምባል፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ማያት ኢንግሊዝ ቻነል፡ ናይ ህይወት ሓደጋ ንኸየጋጥም መርከብ ህይወት ኣድሕን ብምውፋር ዝከኣላ ክትገብር ምዃና ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, PA
ኣብዚ ቐረባ ግዝያት ብዙሓት ስደተኛታት ብኢንግሊዝ ቻነል ክሰግሩ ይፍትኑ ብምህላዎም ኣተሓሳሳቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት እውን ተቖጻጸርቲ ዶባት ፈረንሳ፡ 11 ሰባት ብንእሽቶ ጃልቫ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክስግሩ ክፍትኑ እንከለው ከምዝተታሕዙ ሓቢሮም። ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ንኢንግሊዝ ቻነል ብሓባር ንምቁጽጻር ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ንዘእትዉ ስደተኛታት ንምግታእ ተሰማሚዐን ብሓባር ክሰርሓ ጀሚረን ኣለዋ።
እቲ ብዓባይ ብሪጣንያ ዝወዓዋዕ ዘሎ ጉዳይ እዞም ሒደት ስደተኛታት፡ ንፖለቲካዊ ረብሓ ተባሂሉ ዝጋነን ዘሎ ከይከውን ስክፍታ ዘለዎም ወገናት ሓቢሮም።
ስቲቭ ቫለደዝ ሲሞንድስ ዝተባህለ ካብ ኣምኒስት ረፊዩጂን ማይግራንት ራይትስ ፕሮግራም፡ "እቶም ስደተኛታት ዝመጽኡለን ዘለው ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ውልቃዊ ጉዳይ ሓተትቲ ዑቕባ ተሰሚዑ ኣድላይ ምላሽ ክሳብ ዝወሃቦ ዝኾነ ይኹን ወገን ዝመሰሎ ክዛረብ ከምዘይግባእ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ድሮ ልደተ ክርስቶስ ተኸተልቲ ዓውደ ኣዋርሕ ጎሪጎራውያን፡ ብ22 ታሕሳስ ብናይ ስፔይን ናይ ህይወት ኣድሕን ናይ ረድኤት ትካል ዝደሓኑ፡ ደቀንስትዮን ሕጻናትን ትሕተ ዕደመ ቖልዑን ዝርከቡዎም ኣስታት 300 ዜጋታት 19 ሃገራት ስደተኛታት፡ ማልታን ጥልያንን ኣብ ዓደን ንኸይኣትዉ ምኽልካለን ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ማልታ ምስቶም 300 ስደተኛታት ዝነበረት ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ናይቲ ድሕነት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ቖልዓ ንዝተገላገለት ኣደ ጥራሕ'ዩ ምስ ውላዳ ብሄሊኮፐተር ኣልዒሉ ናብ ሕክምና ወሲዱዋ። ንዝተረፉ ስደተኛታት ግን ጸማም እዝኒ ሂቡዎም።
ኣብ መወዳእታ እታ መርከብ ከም ኣኳርየስ ኣብ ባሕሪ ቀንፈዘው ክትብል ድሕሪ ምቕናያ እያ ስፐይን ተቐቢላታ።
ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ወደባት ጥልያን ንስደተኛታት ቦታ የብለንን ብምባል ንቶም ካብ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ከይኣትዉ ብምኽልካሉ፡ ነቲ ተግባር ዝተቓወሙ ስደተኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከኣ ንዓሌታዊ ኣድልዎ ኢጣልያ ብምቅዋም ኣብ ሮማ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።
ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ፡ መጠን ዋሕዚ ስደተኛታት ምግታእ ዝብል ፖሊሲ ብዝለዓለ ደረጃ ይሰርሕሉ ስለዘለው ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ሊብያን መገሻ ስደትን ግዳይ ይኾኑ ከምዘለው ይፍለጥ። ቅድሚኡ እውን ማልታን ጥልያንን ኣኳርዮስ ንዝተባህለት ካብ ባሕሪ ስደተኛታት ዘድሓነት መርከብ ከልኪለንኣ ምንባረን ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣማኢት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ ምህላዎም ሓያሎ ካብቶም ግዳያት ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







