እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይዛረብሉ ዳግማይ ምዕጻው ዶብ፡ ህዝቢኸ 'ታይ በለ?
ንዕስራ ዓማታት ተሃርሂሩ ዝፀነሐ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ባሕቲ መስከረም ደገ ሰላሙ ተኸፊቱ ህዝቢ ድርብ ኣውደ ኣመት ተበኵሩ ወዓለ። ህዝቢ ንሰለስተን ፈረቓን ኣዋርሕ ባልህ ብዘይብሉ ርክብ ባህትኡ ፈፀመ።
ደቂ ሓንቲ ማህፀን ኣብ ሓንቲ ኣጉዶ ተራኺቦም ቡን ክሳብ ደረጃ ብቐዘምታ ሰትዮም። ንግዲ ኣብ ማእኸል ፅርግያ ከይተረፈ እንካን ሃባን ኰነ።
ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣስመራ ረጊፆም፤ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጨብረቕረቕ ኢሎም ንዕለት ናብ መረበቶም ንምምላስ በቒዖም። ገሊኦም ቀደም ብዛንታ ከም ፅውፅዋይ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰላማዊ ርክብ ብመርዓት ዓይኖም ርእዮም ኣስተማቐርዎ።
ብተመሳሳሊ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ውሒዞም፤ካብ መንከሽከሽ ክሳብ ቴንዲኖ ካብ ዘይቲ ክሳብ ቤንዚን ካብ ጣፍ ክሳብ ሽጉርቲ ሸሚቶም ብምኻድ ንቡር ጀሚሮም። እዚ ርክብ'ዚ ካብቲ ዝነበሮ ዝያዳ ቅጥዒ ሒዙ ክቕፅል ኩሉ ደላዪ ፅቡቕ ተመነየ።
ዝሓለፈ ሰሙን ሮብዕን ሓሙስን ዝተፈፀመ ክስተት ግና ንብዙሓት ዘደንገፀ እዩ። ኣፍ ደገ ዶባት ዘላምበሳ-ሰርሓን፤ ራማ-ክሳድ ዒቃን ዳግም ተዓፅዩ ዝሰመዐ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ምሒር ተሻቐለ።
እሞ ድማ ብዘይ ሃየተለየ ስለዝተዓፀወ ህዝቢ መብርሂ ክሓትት ቁሊሕምሊሕ በለ።
ብወገን ኢትዮጵያ ኣመሓደርቲ ወረዳታት ጉሎመኻዳን መረብለኸን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣፍሊጦም። "ንምንታይ ተዓፅዩ?" ኢሎም እንተሓተቱ ድማ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ቀጢን ትእዛዝ ከምዝወረዶም ነገርዎም።
ፍቓድ መሕለፊ መንግስቲ ፌደራል ዝሓዘ ኢትዮጵያዊ ሸደድ ኢሉ ክሓልፍ ከምዝኽእል ካልእ ግን ተወስ ክብል ከምዘይፍቀዶ እውን ተነገረ።
ወይዘሮ ምብራቕ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ንግዲ ባህላዊ ዓለባ ዝወፈራ ኢትዮጵያዊት እየን። ኣስመራ እንተይከዳ ዶብ ብምዕፃዉ ንባዕለን ከም ቅርስስቲ ቘፂረን ጓሃያ።
"20 ዓመት ሰብ ተፈላልዩ ነይሩ። ሰላም ምስ ኰነ ታሕጓስና መግለፂ ኣይነበሮን።ሕዚ ኸዓ ተዓፅያ ምስ ተበሃለት ድፍን ኢላ ልብና። ኩሉ ናይ ፈጣሪ እንድዩ ግን ፅቡቕ ኣይተሰመዐናን። ኣይተሓጐስናን ዘለና ዝተረፈ ኸዓ ኣምላኽ የፀብቆ" እንትብላ ዘይተፀንቀቐ ተስፋ ኣንፀባሪቐን።
"ፅቡቕ ሰላም እንተሎ ኣይ ሰሙን ኣይ ሳልስቲ፡ ተዓፅዩ እንትበሃል እንተሎ ፅባሕ ኸ እንይታ እዩ ከስምዐና ብምባል የጨንቐካ" ብምባል እውን ሻቕሎተን ይገልፃ።
ወ/ሮ ኣመተ ገብረጨርቆስ ምስ መሓዝአን ወ/ሮ ሻሹ ኣብ ከተማ መቐለ ንነዊሕ ዓመታት ጣፍ ብምሻጥ ይልለያ። "ሰላም እንተሃልዩ እዩ ኩሉ ልርከብ፤ባኒ በሊዕኻ ዋላ ሰላም እያ ፅብቕቲ። ኤርትራውያን እውን ይመፅኡ ነይሮም፣ ይገዝኡ ነይሮም፣ ምልውዋጥ ለሎ እዩ፤ ተለዋዊጥካ ተደሪርካ ትሓድር" ብምባል ዶብ ተኸፊቱ ሰላም ምስ ኰነ ዝነበረ ኩነታት ይዝክራ።
"ኤርትራውያን እላሃለዉን ሕዚን ለውጢ'ሎ፤ ሕዚ ዝግ ኢሉ'ሎ፤ ንሳቶም ተልህልዩ እዘን መካይን ጣፍ ፅዒነን ደው ኣይምበላን፤ እዞም ሸቃሎ ከፍ ኣይምበሉን፤ ኩሉ ተደሪሩ ይሓድር ነይሩ። እንተነኣሰ ንሓንቲ ኩንታል መፅዐኒ ወይ መራገፊ ሓሙሽተ ቕርሺ ዝነበረት ዓሰርተ ቕርሺ በፂሓ ነይራ" እንትብላ ርክብ ክልቲኡ ሃገር ናብ ንቡር ምስ ተመለሰ ንግዳዊ ልውውጥ ዓሚሩ ምንባሩ ይዛረባ።
ወ/ሮ ኣመተ እቲ ዶብ ብምዕፃዉ ብኣውርኡ ንሳቶም እዮም ዝጉድኡ በሃሊት እየን።
"ንሕና ሓመቐ ፀበቐ ተይሸጥና ኣይንሓድርይ፤ ቀደምና እውን እኮ ህዝቢ መቐለ ሒዝና ኢና ንሰርሕ ነይርና። እታ ዘልመደና እግዝኣብሔር ኣይኸልአናን። ንበዓልቶም ግን ይጉድኡ፤ከም ድልየቶም እናጓሕጠጡ ዝወስድዎ ዝነበሩ ተሪፉዎም። ተደሪሮም ይሓድሩ ነይሮም፣ ገዚኦም ብምውሳድ እናሸጡ ይጥቀሙ ነይሮም፣ ፅቡቕ ኣካይዳ ነይሩ፤ ሕዚ ግን ቀጥ ኢሉ እንሄ ትርእዮ ኣለኻ እቲ ምንቅስቓሱ እውን ዝሕል ዝበለ እዩ ዘሎ" በላ።
ስርዓትስ ይሓዝ
ብኻልእ ገፅ ዶብ ተኸፊቱ ፍኑው ንግዳዊ ልውውጥ ምስ ተኻየደ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ወሰኽ ከምዘርአየ ይዝረብ። በዚ ድማ ሸማቶ ዕዳጋ ከቢሩና እንትብሉ ይስማዕ። ወ/ሮ ኣመተ ብወገነን ዓዳጊት እውን ስለዝዀና ዋጋ ኣስቤዛ ቅዱምን ድሑርን ብምንፅፃር ኣነፂረን ይገልፀኦ።
"ንሳቶም ምስ መፅኡ ኩላ ክባር እያ ነይራ። ቀይሕ ሽጉርቲ ንኺሎ 14 ዝነበረ ሰላም ምስ ኰነ 20 በፂሑ ነይሩ። ሕዚ እቲ ዶብ ዳግም ምስ ተዓፀወ ናብታ ዝነበረታ 14 ተመሊሳ ኣላ" ብምባል ዓዳጋይ እንተንፀርፀረ ኣይተሓዘሉን ይብላ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ቀዳማይ ደረጃ ጣፍ 2550 ቅርሺ ይሽየጥ'ሎ። እዚ ዋጋ እዚ ዶብ ቅድሚ ምኽፋቱ ዝነበረ ዋጋ እዩ። ኤርትራውያን ምዕዳግ ምስ ጀመሩ 2800 ቅርሺ በፂሑ ምንባሩ ነጋዲት ጣፍ ወ/ሮ ኣመተ ይዛረባ።
ኣይተ ገብረመስቀል ገብረፃዲቕ ካብ ንግዲ እኽሊ ተላዒሎም ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓብዪ ሆቴል ዝወነኑ በዓል ሃብቲ እዮም። ጀርመን ዝብል ሳጓ ስም ለጊብዎም፡ ኣብ ውቕሮ ዝርከብ ወናኒ ሆቴል ጀርመን ኰይኖም ኣለዉ።
ኣይተ ገብረመስቀል (ጀርመን) ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብምኽፋቱ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ፅቡቕ ምንቅስቓስ ከምዝተርኣየ ገሊፆም ኰይኑ ግና ክዕረ ዝግበኦ ነገር ስለዘሎ እቲ ዶብ ሕዚ ምዕፃዉ ከምዝድግፍዎ ይዛረቡ። ዶብ ካብ ዝኽፈት ኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከምዝኾኖ አዘኻኺሮም ከምዚ በሉ፤
"እቲ ክሳብ ሕዚ ዝተገብረ ፍኑው ምንቅስቓስ ይኣክል እዩ። ካብዚ ንደሓር ግና ሕጋዊ መልክዕ ክሕዝ ኣለዎ፤ ቀረፅ ክህልው ኣለዎ። ብኢምግሬሽን ዝተመርሐ ፓስፖርትን ቪዛን ግድን ክህልው ይግባእ። ስርዓት ክህልዎ ይግባእ። ኤርትራውያን እውን ልቢ ህዝቢ ትግራይ ፈሊጦምዎ ኣለዉ። ካብ ሕዚ ንደሓር ግን ንዓኣቶም እውን ሕጋዊ ዝዀነ ርክብ እንተሃልዩ እዩ ዝሓይሽ። ንዓዶም ግብሪ ይኸፍሉ፤ንሕና እውን ንኸፍል። መንግስታት እውን ኣታዊ ይረኽቡ። " ዝብል ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቦም።
ኣይተ ገብረመስቀልን (ጀርመን) ካልኦትን ካብ ሕዚ ንደሓር ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝግበር ርክብ ይኣክል በሃልቲ እዮም። እቲ ንግዳዊ ርክብ ፍኑው ምዃኑ ዝያዳ ኢትዮጵያውያን ኢና ንጉዳእ ይብሉ። ምኽንያቱ "ዶብ ምስ ተኸፈተ ናህሪ ዋጋ ኣጓኒፉ እዩ። ንሳቶም ተረቢሖም ሕብረተሰብና ግን ብናህሪ ዋጋ ተጐዲኡ እዩ። ሕጋዊ እንተኰይኑ ግና ህዝብን መንግስትን ብመዳይ ቁጠባ እውን ይርብሑ" እንትብሉ ኣስሚሮምሉ።
ኤርትራዊ መንግስ ብግዲኡ እቲ ምዕፃው ኣፍ ደገ ዶብ ብኽፍኣት ከምዘይረኣዮ ይገልፅ። ወላ እኳ መንነቱ ንምግላፅ ተዘይደፈረ ሓሳቡ ንምሃብ ግን ንድሕሪት ኣይበለን።
"እቲ ዶብ ምዕፃው ይድግፎ እየ። ምኽንያቱ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ባዕሉ ዝሓሰበሉ መደብ ይህልው። ከፃፍፎ ዝደለዮ ኣሰራርሓ ይህልው። ደሓር ከኣ ዝኣትውን ዝወፅእን ብምቁፅፃር ንድሕንነት ህዝብን ሃገር ዝጠቅም ስራሕ ንምክያድ እንተፀፈፈ ኣይፅላእን" ይብል።
ኣይተ ገብረመስቀል'ውን፡ ምስ ኤርትራዊ መንግስ በዚ ጉዳይ ድሕነነት ይስማዕምዑ።
መንግስታት ትሒም ኣይበሉን
ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ "መንግስቲ ትግራይ እቲ ዶብ ዳግም ከምዝተዓፀወ ኣረጋጊፁ፤ ብእዋኑ ንመንግስቲ ፌደራል ኣፍሊጡ" ኢለን። ካብዚ ወፃኢ ግና፤ ጉዳያት ዶብ ኣመልኪቱ ምላሽ ንምሃብ ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ መንግስቲ ፌደራል ከምዝዀነ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ተዛሪበን እየን።
መንግስቲ ፌደራል "እንታይ ጉዱ ደኣ? እንታይ ዓይነት ሰነዳትከ የድሊ?" እንተተበሃለ ምላሽ ዝህብ የለን። እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ድማ "ኣይሰማዕኹን" ብምባል ዝፈልጦ ተኣምር ከምዘይብሉ ገሊፁ።
መንግስቲ ኤርትራ ዛጊድ ብጩቕ ኣይበለን። እቲ ዶብ ንምንይታይ ከምዝተዓፀወ ብዕሊ ክግለፅ ነይሩዎ በሃልቲ ኣለዉ።
ኣይተ ገብረመስቀል፡ "ክልቲኦም መንግስታት ዝኣለምዎ ፖለቲካዊ ውዲት ምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ይርደኦ እዩ" እንትብሉ ኣብ ልቦም ዘሎ ቶግ ኣቢሎም ይዛረቡ።
"ፕረዚዳንት ኢሳይያስን ዶ/ር ኣብዪን ከይፈለጥዎ ዝግበር ነገር የለን፤ እዚ ኸዓ ዝደለይዎ ነገር ክህልው ይኽእል እዩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ነዚ ብዙሕ ፖለቲካዊ ትንታነ ዘይሓትት ተግባር ይፈልጦ እዩ። ኣብ ቅንዕና ዝተመስረተ ኣመራርሓ ክሳብ ዘይሃለወ ግልፅነት ዝጐደሎ ስጉምቲ ኢኻ ትፅበ" ዝብል መደምደምታ ሂቦም።
መራሒ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ቀረባ እዋን ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣብ ስታድዮም ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ሰልፊ ተረኺቦም ብዛዕባ ርክብ ክልቲኡ ህዝቢ ተዛሪቦም ነይሮም።
"ክልቲኤን ሃገራት ዝጀመረኦ ጉዕዞ ሰላም ስርዓት ክሕዝ ብምግባር፡ ንኽልቲኡ ህዝብታትና ዝጐድኡ ኣካይዳታት ንጎኒ ብምግዳፍን ንሓዋሩ ናይ ኩልና ረብሓ ዘረጋግፅ ናብ ዝተማለአ ስምምዕ ንኽንበፅሕ፡ ብወገንና ዝጀመርናዮ ልዑል ፃዕሪ ኣሕይልና ክንቅፅለሉ ኢና። ኤርትራውያን ኣብ ትግራይ ብዘይ ስኽፍታ ንኽንቀሳቐሱን ንኽሰርሑን ዝካኣል ኩሉ ክንገብር ንድሕሪት ከምዘይንብል ክነረጋግፀልኩም ንፈትው" ኢሎም።
ቀፂሎም ድማ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ንኹልና ዝጠፈአና ግዜ ክነከሓሕስ ቈሪፅና ንለዓል። ተበቲንና እንተይኰነስ ተጠሚርና፣ እናተተፋነንና እንተይኰነስ እንተሓጋገዝና፣ ተሓቢእና እንተይኰነስ ብጋህዲ፣ ብሽርሒ እንተይኰነስ ብምትሕልላይ ንቕድሚት ንመርሽ" ብምባል እምነትን ቅዋምን መንግስቶም ንህዝቢ ኤርትራ ኣረግጊፆምሉ።
ይኹን'ምበር ቅድም ክብል፤ ውድብ ህወሓት፡'ቲ ውሳነ ኢህወዴግ ዕላዊ ዝኾነሉ መገዲ ታህዋኽ ዝበዝሖን ህዝቢ ዘይዘተየሉን ዝብል ውሱን ተቓውሞ ኣስሚዑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ካብ ኣስመራ ዝወሃቡ መግለፂታት ዝከታተሉ ተዓዘብቲ'ውን እንተኾነ፡ እቲ ዕርቂ ንህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ዝነፀለ'ዩ ብዝብል፡ ግልፅነት እቲ ዕርቂ ኣብ ሕቶ ዘእትው ብዙሓት 'ለዉ።
ሰለስተ ወርሕን ፈረቓን ዝተጓዓዘ ሓድሽ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ሕዚ ንምንታይ ከምዝተዓፀወ ዋላ እኳ ብጋህዲ ኣይዘረብ ጠገለ ክህልዎ ከምዝግባእ ግን ህዝቢ ይዛረብ'ሎ። እቲ ስጉምቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ዘተኣሳስሩዎ'ውን ኣለዉ።
እቲ ዶብ መዓዝ ከምዝኽፈት ዋላ ኣፋፍኖት ኣይሃልዎ፡ዕድሚኡ ከምዘይነውሕ ግና ህዝቢ የተስፉ። ህዝቢ 'ኣርኢኹም ጠሊምኩምና' ኢሉ ገና እንተይቘዘመ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዘትዮም ዓይነ መርፍኡ ክመልስሉ ይፅበ'ሎ።
መንግስታት ትሒም ዘይበልሉ፡ ብኽድኑ ይብሰል ዝተሃለ ዝመስል ምዕፃው ዶባት፡ ድሮ ኣብ ህዝቢ ቅረይታን ጥርጣረን ፈጢሩ፡ ትማሊ ካብ ዶባት ዝንቀሳቐሳ ከቢድ ኣፅዋር ዝፀዓና መኻይን ህዝቢ ኣየሕልፍን ኢሉ ኣብ ፋፂ መገዲ ምዕፃው ጀሚሩ።