እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ርዋንዳ፡ ድያን ርዊጋራ ብቤት ፍርዲ ናጻ ተባሂላ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ርዋንዳ፡ ኣብ ልዕሊ ንፕረዚደንት ፖል ካጋመ ብምንቃፍ ተፍለጥ ድያን ርዊጋራን ኣዲኣን ቀሪቡ ዝነበረ ክሲ ምልዕዓል ናዕብን ትምየናን ናጻ ብምባል ኣሰናቢትወን።
ድያን ርዊጋራ፡ ኣንጻር ፕረዚደንት ፖል ካጋም ንፕሬዝደንትነት ንምውድዳር ኣብ ዝፈተነትሉ ተክልኪላ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ'ያ ጸኒሓ።
ጓል 37 ዓመት ድያን ርዊጋራ፡ ን22 ዓመታት ንኽትእሰር ተበይኑ ዝነበረ ኽሲ ድማ፡ መሰረት ዘይብሉ ብፖለቲካዊ ድፍኢት ዝተደረኸ'ዩ ኢላቶ።
ትማሊ ኣብ ዝውዓለ መጋባእያ፡ እቶም ሰለስተ ፈራዶ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ድያን ርዊጋራ ተነቢሩ ዝነበረ ክሲ 'መሰረት ኣልቦ'ዩ' ብምባል ናጻ ኢሎማ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነዚ ውሳነ ቤት ፍርዲ ብጸጋ ክቅብሎ እንከሎ " ኣደን ጓልን ሓሳበንን ርኢቶኦንን ብምዝራበን ክኽሰሳ ኣይምተገበአን' ኢሉ።
ድያን ርዊጋራ ኣብ ትሐቲ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወትሉ፡ ንብዙሕ መርምራ ምቅላዓን፡ ናታን ናይ ስድርኣ ንብረት ብጨረታ ከም ዝተሸጠን ይፍለጥ።
ድያን ርዊጋራ ጉዳያ ንኽትከታትል ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዛ ብዋሕስ ተለቂቃ ዝጸንሐት ኮይና "ብውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕጉስቲ'የ፡ ኣብ ሃገርና ብዙሓት ክስርሑ ዘለዎም ነገራት ስለዘለው ከኣ ኣብ ፖለቲካ ክቕጽል'የ" ኢላ።
ድያን ርዊጋራ፡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ፡ ቁጠባ ርዋንዳ ብውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ተባሒቱ ምህላዉ ተዛሪባ።
"እቲ ቅድም ዝዛረቦ ዝነበርኩ ጸገማት ገና ኣይተፈተሐን ዘሎ፡ ኣብዛ ሃገር ሕጂ'ውን ብዙሓት ፖለቲካውያን እሱራት ኣለዉ" ክትብል ድሕሪ ውሳነ ቤት ፍርዲ ምስምዓ ንጋዜጤኛ ሓቢራ።
ድያን ርዊጋራ፡ ንፕረዚደንተ ፖል ካጋመን ነቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፍን፡ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ክሳብ ሕጂ ሙሉእ ስልጣን ምቁጽጻሮም ብተደጋጋሚ ክትነቕፎም ጸኒሓ'ያ።
ኣብቲ ብሓሙስ ዝውዓለ መጋባእያ፡ እቶም ፈራዶ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ናይ ደገፍተይ'ዮም ትብሎም ስኑዕ ክታም ኣዳልያ ንዝብል ክሲ ውዱቕ ብምግባር፡ እቲ ንመንግስቲ ነቒፋ ዝብል ከኣ፡ ብቅዋማውን ዓለምለኻዊ ሕግን፡ መሰል ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ዝፈቕዶ'ዩ ብምባል ናጻ ኢሎማ።
ንተቃውሞ ተጻዋርነት የለን
ኣን ሶይ ፡ ቢቢሲ ኣፍሪካ
ምፍታሕ ድያን ርዊጋራን ኣዲኣን፡ ኣብ ዲሞክራሲ ርዋንዳ ሓደ ነጥበ መቐይሮ ጌርካ ክውሰድ ይክኣል'ዩ።
እንተኾነ ካብ ከም ብዓል ባይቶ ኣሜሪካን ካልኦት ዓበይቲ ሃገራትን፡ ጸቅጢ ክግበር ምጽንሑ ዝክሓድ ኣይኮነን።
ምእሳር ድያን ርዊጋራን ንብረታን ንብረት ስድኣን ብመንግስቲ ምሕራጁ፡ ኣብ ርዋንዳ ኮይነካ ንመንግስትን ፕረዚደንትን ምንቃፍ ከቢድ ምኻኑ'ዩ ዘመላኽት።
ንመንግስቲ ብምንቃፎምን ብምቅዋሞምን ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ኣብ መቅጻዕትን ቤት ማእሰርትን ከም ዘለዉ'ዩ ዝፍለጥ።
መራሒት ተቃዋሚ ሰልፊ ቪክቶር ኢናጋቢረ ብ 'ግብረሽበራን ውዲት ኲናትን' ተኸሲሳ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ዓመት ተፈቲሓ'ያ።
ንሳ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ 2010 ንፕረዚደንትንት ክትወዳደር ሓሲባ ዝነበረት ፖለቲከኛ'ያ።
ካልእ መራሒ ተቃዋሚ ሰልፊ ዝኾን ቦኒፌስ ትዋጊሪማና፤ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተሰወረ ክሳብ ሕጂ ኣበይነቱ ዘይፍለጥ ፖለቲከኛ'ዩ።
ኩሉ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ርዋንዳ ንተቃወምቲ ዝጻወር ዘይምኻኑ እዩ ዘርኢ ትብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣን ሶይ።