ፌደራል ፖሊስ ንሓሙሽተ ሓለፍቲ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ

ምንጪ ስእሊ, EFPC
ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ሎሚ ንሓሙሽተ ሓለፍቲ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ።
ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ ምክትል ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ክልልን ከንቲባ ከተማ ኣሶሳ ነበርን ከምዝርከቡዎም ተገሊጹ።
ቴሌቪዥን እታ ሃገር ከምዝጸብጸቦ እዞም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት፡ ኣብ ዶባት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ንዝተፈጠረ ጎንጺ፡ ከምኡ ድማ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ኣሶሳ ኣጋጢሙ ንዝነበረ ጎንጺ ዘለዓዓሉ እዮም ብዝብል ተጠርጢሮም እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።
ፖሊስ ፌደራል ተወሰኽቲ ተጠርጠርቲ ከምዝኣስር እውን ገሊጹ'ሎ።
ኣብ ኣሶሳ ዘጋጠመ እንታይ እዩ ነይሩ?
ኣብ ኣሶሳ፡ ካብ 25 ሰነ ጀሚሩ ንመዓልታት ኣብ ዝጸንሐ ጎንጺ፡ ህይወት ሰባት ሓሊፉ ጉድኣት ኣካል'ውን በጺሑ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብቲ ጎንጺ ኢድ ኣለዎም ዝተብሃሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ፖሊስን ናይቲ ክልል ካብ መዝነቶም ክወርዱ ተገይሮም እዮም።
ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ነቲ ናይ ሽዑ ናዕብን ጎንጽን ብምልዕዓል ዝጠርጠሮም ተወሰኽቲ ሓለፍቲ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ እዩ ገሊጹ ዘሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ግን፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ መዳውብቲ ከባብታት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ዝተኸሰተ ጎንጺ ኣለዓዒሎም ብዝብል እዮም ተጠርጢሮም።
ጎንጺ ኣብ ዶብ ኦሮሚያን ቤንሻንጉልን
ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ 16 መስከረም 2011 ዓ.ም፡ ሰብመዚ ዞባ ካማሼ ምስ ሰብመዚ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝነበሮም ኣኼባ ወዲኦም እንትምለሱ ካብ ዕጡቓት ብዝተኸፈተ ተኩሲ፡ ኣመሓደርቲ ወረዳን ሰብመዚ ፀጥታን ዝርከብዎም 4 ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ክልላት ቤንሻንጉልን ኦሮሚያን ኣብ ዝዳበዉሎም ቦታታት ጎንፂ ተፈጢሩ ሰባት ሞይቶምን ተመዛቢሎምን ኣባይቲ ድማ ተቓጺሎም።
ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ተመዛቢሎም።
እቲ ኣብ መዳውብቲ ክልቲኤን ክልላት ዘጋጠመ ጎንጺ፡ ክሳብ ቀረባ እዋናት ኣየቋረጸን። ኣብዚ ጎንጺ ኣባላት ፖሊስ ኦሮሚያ ምስተቐተሉ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮሚያ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ይግበር ኣለዉ።
ብወገን ቤንሻንጉል ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዘለዉ፡ "ዘይእዘዙ ዕጡቓት ኦነግ" እዮም እንትብሉ፤ ብወገን ኦሮሚያ ድማ ዕጡቓት ቤንሻንጉል እዮም ዝብል ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ዝሓለፈ ቀዳም ድማ ኣካላት ጸጥታ ፌደራል ናብቲ ከባቢ ክኣትዉ ተወሲኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







