እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዛዕባ ዝተዘመቱ ቅርስታትኩም እንታይ ትፈልጡ?
ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ፤ ካብ ኣፍሪቃ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሓድግታት እዮም ብምዕራባውያን ሃገራት ተዘሚቶም።
ሕዚ ግን ፈረንሳይ፡ ኣብ ቤተመዘክራታ ዝርከቡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ኣፍሪቃ ዝተወሰዱ ሓድግታት ናብታ ኣህጉር ክምለሱ ዝጽውዕ ጸብጻብ ፈኒዋ ኣላ።
እዚ ድማ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ቤተመዘክራት፡ ካብ ናይጄርያ ዝወሰድዎም ዓበይቲ ሓድግታታ መሊሶም ነታ ሃገር ከለቅሕዋ ኣብ ዝተሰማምዕሉ እዋን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።