ኣውስትራልያ፡ ሳላ ግዝፉ ካብ ማሕረዲ ዝተረፈ ሰንጋ ብዕራይ

ክኒዝ

ምንጪ ስእሊ, Geoff Pearson

ስሙ ኒከርስ ይብልዎ። ምስ ካልኦት ኣብዑር ናብ መግሃጫ እንትወጽእ ጸብለል ኢሉ እዩ ዝረኣይ።

እዚ ሶር (ዝተቐጥቀጠ) ብዕራይ 1,400 ኪሎግራም ክብደት ኣለዎ፤ ቁመቱ ከኣ 1.94 ሜትሮ እዩ - ኣብ ኣውስትራልያ እቲ ዝገዘፈ ብዕራይ እዩ።

እዚ ዕድሚኡ ሸውዓተ ዓመት ዝኾነ ብዕራይ፡ ኣብታ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ከብቲ ዘለውዋ ሃገር፡ እቲ ዝገዘፈ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ዋንኡ ጆፍ ፔርሰን ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ጨረታ ከቕርቦ ከሎ፡ ሳላ ግዝፉ'ዩ ድሒኑ። እቶም ሸየጥቲ ስጋ ከመይ ገይርና ክንሓረዶ ስለዝበሉ፡ ኒከርስ ናብ ሓራዳይ ከይተወሰደ ተሪፉ- ዕድል ጌሩ!

ድሕሪ ሕዚ ምሉእ ህይወቱ ኣብቲ ሕዛእቲ እናኾምሰዐ እዩ ከሕልፎ።

ወዲ 12 ወርሒ እንከሎ እዩ ዋንኡ ጆፍ ፔርሰን ዓዲግዎ።

ፔርሰን ኣስታት 20,000 ከብቲ እዩ ዝውንን። ኒከርስ ኣብ ህይወቱ ቁሩብ ዓመታት እየን ዝተርፈኦ ይብል።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

ሽሙኸ ካበይ ዝመጸ እዩ?

"ቆልዓ [ምራኽ] ከሎ፡ መጀመርታ ክንረኽቦ ከለና፡ ካልእ መሓዛኡ ብዕራይ ነይሩ። ናቱ ሽም ብራ [መትሓዚ ጡብ] ስለዝነበረ ነዚ ድማ ኒከርስ [ቁምጣ] ሰይምናዮ" ኢሉ።

"ክንዲዚ ዝኸውን ገዚፍ ቁምጣ ዝኸውን ኣይመሰለናን ነይሩ" ብምኣል ድማ ኣደናቆቱ ገሊጹ።