እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እዞም ምህርታት ንኣካባቢና ይሃስዩ'ዮም ኢልኩም'ዶ ሓሲብኩም ትፈልጡ?
ፓላው ዝተብሃለት ኣብ ምዕራብ ፓስፊክ እትርከብ ሃገር፡ ንጸሓይ መከላኸሊ ተባሂሉ ዝፈሪ ልኻይ፡ ኣብ ባሕሪ ንዝነብሩ ህይወታውያን ዝጎድእ እዩ ብዝብል ዝኸልከለት ፈላመይቲ ሃገር ኮየና'ላ።
ተጠቀምቲ ናይዚ ልኻይ፡ እቲ ምህርቲ ከምዚ ዓይነት ሳዕቤን ከምዘለዎ እንትሰምዑ፡ 'ቦኽሪ እዝኖም' ክኾኖም ይኽእል'ዩ።
ተመራመርቲ፡ ኣብ ምህርቲ መከላኸሊ ጸሓይ ዝተረኸቡ 10 ኬሚካለዊ ቀመማት ንማያዊ ህይወት ሓደገኛታት ከምዝኾኑ ይሕብሩ።
ካልኦት ንከባቢና ዝብክሉ ምህርታት'ውን ኣለው።
መከላኸሊ ጥንሲ
ኣብ 2016 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ስዊድን ከምዝብሎ፡ እዚ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ቑጽሪ ኣብ ዓለም ዝነብሩ ሰባት ብምንካይ፡ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት ዝህሉ ፀቕጢ ክንኪ እኳ ዝገብር እንተኾነ፡ ጉድለታት እውን ኣለውዎ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊን፡ ናይ ሳልሳይ ዲግሪኣ መመረቒ ኣብዚ ጉዳይ ዝሰርሐት ዶክተር ሊና ኒኮለረስ፡ ኣብ ውሽጢ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ዝተረኽበ ኤሪን ኤስትሮዲየም (EE2) ዝተብሃለ ሆርሞን፡ ናይ ገለ ዓሳታት ባህርን መፈጠራውን (ጄኔቲካዊ) ኩነታት ቐይሩዎ'ዩ ትብል።
እቶም ተበላሽዮም ተባሂሉ ናብ ማያዊ ኣካለት ዝድርበዩ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዓሳ፡ "መፈጠራዊ ሚዛን" ክቕየር ገይሮም'ዮም።
ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ መጽናዕቲ እዚ ኤሪን ኤስትሮዲየም (EE2) ዝተብሃለ ሆርሞን፡ እቶም ዓሳ መግቢ ከይሕዙ ከምዘፀግመሎም 'ውን ይሕብር።
"ቅድም ክብል ዝተኻየዱ መጽናዕታት፡ እቶም ዓሳ ናይ ምርባሕ ጸገማት'ውን ከማዕብሉ ከምዝገብር የመልክቱ። እዚ ማለት፡ ዓሌት ዓሳ ጠቕሊሉ ክጠፍእ ዝገብር'ዩ" ትብል ዶክተር ኒኮለረስ።
ኣቨካዶ
እዚ ንመፍቀርቲ ኣቨካዶ ሕማቕ ዜና'ዩ። እዚ ምህርቲ፡ ንከባቢያዊ ጥዕና ጽቡቕ ኣይኮነን ተባሂሉ ኣሎ።
ሓንቲ ኣቨካዶ ንክትፈሪ፡ 272 ሊትሮ ማይ ትወስድ። እዚ፡ ኣቨካዶ ንዘፍርያ ግን ድማ ውሑድ ማይ ንዘለወን ከባቢታት ጽቡቕ ኣይኮነን።
ኣብ 2011፡ መንግስቲ ቺሊ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ 65 ግራታት ኣቨካዶ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ፡ ሩባታትን ካልኦት ምንጪታት ማይን ጠሊፎም'ዮም ዝጥቀሙ።
እዚ፡ ምኽንያት ድርቂ ኾይኑ፡ ነበርቲ ዝስተይን ንመሕጸቢ ዝኸውን ማይን ከምዘጸገሞም የመላኽት።
ኣናናስ
ኣብ ኮስታሪካ፡ ኣብ ዓለም ካብ ሞንጎ ዘለው ዓበይቲ መፍረይቲ እቲ ሓደ፡ ብኣግራብ ተሸፊኑ ዝነበረ ኣሽሓት ሄክታር መሬት፡ ንስለ ፍርያት ኣናናስ ክበርስ ገይሩ'ዩ።
እዚ ምህርቲ፡ ልዑል ጸረ ባልዕ ዝጠልብ ብምኻኑ ድማ ንብኽለት ከባቢ ዘሳጥሕ ምህርቲ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ሻምፖ
ዘይቲ ዶማ (ፓልም ኦይል)፡ ኣብ ዓለምና ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ምስ ጀመረ፡ ምኽንያት ብርሰት ኣግራብ ኮይኑ።
ዓለምለኸ ፈንድ ተፈጥሮ፡ ኣብዚ ዓመት ብመሰረት ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣግራባት እናብረስኻ፡ ናብ ፍርያት ዘይቲ ዶማ ምውዓል "ልዑል መጠን ካርበን ዳይ ኦክሳይድ ክህሉ፣ ለውጢ ኩነታት ኣየር ክስዕብን ዝተፈላለዩ ዓሌታት ክጠፍኡን ምኽንያት ይኸውን'ዩ ዘሎ" ኢሉ።
ዘይቲ ዶማ (ፓልም ኦይል)፡ ኣብ ውሽጢ ቸኮሌት፣ ማርጋሪን፣ ኣይስ ክሬም፣ ባንን በሽኩትን ዝርከብ ምዃኑ ብዙሓት ይፈልጡ እዮም፤ ኣብ ካልኦት ዓይነት ምህርትታት ከምዝርከብ ግን ውሑዳት እዮም ዝፈልጡ።
ከም ኣብነት፡ ዘይቲ ዶማ፡ ተፈጥሮኣዊ ዘይቲ ጸጉሪ ክሕሉ ተባሂሉ ኣብ ሻምፖ ይኣቱ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ዘይቶ ዶማ፡ ኣብ ናይ ከንፈር ቀለም (ሊፕስቲክ)፣ ሳሙናታት መሕጸቢ ኢድን ክዳንን ከምኡ'ውን ኣብ መጽረዪ ስኒ ይርከብ።
መናፈሲ ኣየር (ኤየር ፍሬሽነር)
ንመናፈሲ ኣየር ዝውዕሉ ነገራት ኣካል ጸገም ብኽለት ኣየር ክኾኑ ከምዝኽእሉ ትፈልጡ'ዶ?
እዞም ምህርታት መናፈሲ ኣየር፡ ኣብ ውሽጦም ሊመነን ዝበሃል ጨና ለሚን ዝፈጥር ኬሚካል ዝሓዙ እዮም።
ሊመነን ንርእሱ ኣብ ጥዕና ከቢድ ሳዕቤን'ኳ እንተዘይሃለዎ፡ ናብ ኣየር እንትሕወስ ግና ጸገም ይፈጥር'ዩ።