ኡጓንዳ፡ ኣንጻር ዮውሪ ሙሲቭኒን ብምጽሓፋ ዝተኸሰሰት

ፖሊስ ኡጓንዳ እታ ኣብ ፈይስ ቡክ ዘይግቡእ ጽሑፍ ኣውጺኣ ብምባል ዝተኸሰሰት ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት ስቴላ ናይንዚ ፍርዲ ክህብ እዩ።
ንሳ ኣንጻር ፕረዚደንት ዮውሪ ሙሲቭኒን ኣዲኡን ርእይቶ ብምጽሓፋ'ያ ተኸሲሳ። ክብል ክፍሊ ገበንን ምርመራን ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።
ይኹን'ምበር፡ ንዝውሃባ ፍርዲ ብዝምልከት ወግዓዊ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ እዩ ጠበቐኣ ዝሰገልጽ።
ናያኒ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢታት ንጥፍትን ብዙሓት ተኽተልቲ ዘለዉዋን ኣብ ርእሲ ምዃና ህብብቲ ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ'ውን እያ።
ዋላኳ ንጡፍነታ ብዙሕ ተፈላጥነት እንተ ኣጥረየላ፤ መብዛሕትኡ እዋን ብሕብራዊ ስእልታትን ቃላትን ዝወርቑ ቃላታ ብዝፈጥሩላ ጸገማት ገበነኛ ካብ ምዃን ዓዲ ውዒላ ኣይትፈልጥን። ሕጂ እውን ኣብቲ ብዛዕባ ፕረዚደንት ሙሲቪኒ ዝጸሓፈቶ ርእይቶ "ጽምዲ መቕመጫ" ክትብል ስለዝገለጸቶ'ያ ተኸሲሳ ናብ ፍርዲ ቀሪባ።
ናያኒ ብዝቐረበላ ክሲ ካብ'ቲ ትስረሓሉ ዝነበረት ዩኒቨረሲቲ'ውን ክትድስክል ሰለዝተገደደት ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዳ'ያ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







