ኣብዪ ኣሕመድን ደመቀ መኮንንን፡ ኣቦ መንበርን ምክትልን ኢህወደግ ኮይኖም ተመሪጾም

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ መንበር፡ ኣይተ ደመቀ መኮንን ድማ ምክትል ኣቦ መንበር ኢህወደግ ኮይኖም ተመሪጾም።
"ሃገራዊ ሓድነት ንኹለመዳያዊ ብልፅግና" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክሳዕ ሎሚ፡ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ ኢህወዴግ እንትዛዘም፡ ንነባር ኣቦመንበርን ምክትልን እቲ ውድብ ደጊሙ መሪፁ።
መራሕቲ ኢህወደግ ንምምራጽ ይወሃብ ኣብ ዝነበረ ድምጺ፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፣ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድን ኣይተ ደመቀ መኮንን ሕጹያት ኮይኖም ቐሪቦም ነይሮም።
ብመሰረት እቲ ዝተዉሃበ ድምጺ ፡ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብቲ ዝተዉሃበ 177 ድምጺ፡ 176 ብምርካብ ኣቦ መንበር እቲ ግንባር ኮይኖም ክመርሑ ተመሪጾም።
ኣቦመንበር ውድብ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ (ኣዴፓ)፡ ኣይተ ደመቀ መኮንን ድማ ካብ 177 ድምፂ 149 ድምፂ ብምርካብ እዮም ብምክትል ኣቦ መንበርነት ተሓርዮም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







