ኣብ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ብምሕምሻሻ 18 ሰባት ሞይቶም

ሄሊኮፕተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ተሓምሺሻ።

በዚ ሓደጋ 18 ሰባት ከምዝሞቱን ዝደሓነ ከምዘየለን ሰብመዚ ገሊፆም።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዘፍለጦ፡ እታ ነፋሪት ካብ ድሬዳዋ ናብ ቢሾፍቱ እያ ትበርር ነይራ።

እዛ ናይ በረራ ቁፅራ 808 ዝኾነት ነፋሪት ኣብ መዕለቢኣ ክትበፅሕ 20 ደቓይቕ ምስተረፋ፡ ኤጀሬ ኣብ ዝበሃል ቦታ ከምዝተሓምሸሸት 'ውን እቲ ሚኒስትሪ ገሊፁ።

ሃገራዊ ቴሌቪዝን ኢትዮጵያ፡ ንሓላፊ ፖሊስ ናይቲ ዞባ ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ፡ ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ክልተ ህፃናትን ክልተ ደቂኣንስትዮን ይርከብዎም።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ፡ ሉሜ ኣብ ዝበሃል ወረዳ፡ ሎሚ ረፋድ እዩ ኣጋጢሙ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ምኽንያት ናይቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ውፅእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝተፈጠረ ሓደጋ: ብሰብ ሞያ ይፃረ ከምዘሎ ከምዘሎ ገሊፁ።