ፖሊስ፡ ኣብ ሰልፊ 16 ሰነ ነታጒ ብምፍንጃር ዝተጠርጠረ ሰብ ኣፅዋር ተረኺቡዎ

መጋብኣያ

ምንጪ ስእሊ, Mark Metcalfe

16 ሰነ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝተዳለወ ሰልፊ ድጋፍ ዘጋጠመ ምፍንጃር ነታጒ ተጠርጢሩ ኣብ ምርመራ ዝርከብ ኣይተ ተስፋዬ ኡርጌ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝለዓሉ ጎንጺታት ኢድ ከምዘለዎ መርማሪ ፖሊስ ኣፍሊጡ ክብሉ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር።

እቲ ተጠርጣሪ፡ ቦንባን ኣፅዋርን ከምዝተረኸቦ መርማሪ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ካልኦት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ዘይወዓሉ ኣፅዋራት ንምትሓዝ ድማ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ እቲ ፖሊስ ኣረዲኡ።

ብክልቲኦም ወገናት ዝቐርብ መረዳእታ ከዳምጽ ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ፡ ካልኦት ተወሰኽቲ ምስክራት ንምስማዕ ናይ 14 መዓልታት ናይ ቐፀሮ ግዘ ሂቡ።

ጠበቓ እቲ ተጠርጣሪ፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ካብ ዝዉዕል ልዕሊ ሓደ ወርሒ ከምዝኮኖን ኣብዚ ግዘ ፖሊስ ሓድሽ መረዳእታ ከቕርብ ኣይክኣለን፡ እቲ ዉልቀ ሰብ ምስቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ተዛሚዱ'ኳ እንተትሓዘ፡ ሕዚ'ዉን ግና ካልእ ገበን'ዩ ዝስራሕ ዘሎ ክብል ቅርትኡ ገሊጹ።

ብዚ ምኽንያት፡ ብወሓስ ክልቀቕ ሓቲቱ።

እቲ ቤት ፍርዲ ግን፡ ኣይተ ተስፋዬ ኡርጌ፡ ዝተጠርጠረሉ ገበን ከቢድ ስለዝኾነ ግዘ ዝወስድ'ዩ ብምባል ተወሳኺ መዓልቲ ቆጸሮ ሂቡ።