መዓል መዚ መንገድታት ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝወስዱ መንገድታት ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, De Agostini Picture Library
በዓል መዚ መንገዲታት ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝወስዱ መንገድታት ትማሊ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ሎ።
ናይቲ በዓል መዚ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሳምሶን ወንድሙ ድሕሪ ሕዚ ንዝግበሩ ጉዕዞታት ኣርባዕተ ዓበይቲ መስመራት ከምዝተፈለዩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ገሊኦም ሕዚ ብዝርከቡሉ ደረጃ ኣገልግሎት ክህቡ ከምዝኽእሉ ዝሓበረ ኣይተ ሳምሶን፡ ዝተረፈ ድማ ድሕሪ ፅገናን ዝግበረሎም ምርመራ ዓቕምን ናብ ኣገልግሎት ከምዝኣትዉ ገሊፁ።
ኣይተ ወንድሙ ካብ ኣዲስ ተበጊሱ ብዓዲ-ግራትን ዛላምበሳን ናብ ኣስመራ ዝኣቱ 933 ኪ.ሜ ኣስፋልት መንገዲ ንኣገልግሎት ድልዉ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ብመቐለ፣ ዓድዋ፣ ራማ ናብ መረብ ዘብፅሕ 1005 ኪ.ሜ እውን ናይ ኣስፋልትን ፀፀርን መንገዲ'ዩ። ብፍላይ ካብ ዓድዋ ክሳብ መረብ ህንፀት እናተኻየደሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ናብ ሑመራን ድልድል ተከዘን ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ 991 ኪ.ሜ ንውሓት ዘለዎ መንገዲ፡ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ይርከብ። ይኹን ድኣ'ምበር ድልድል ተከዘ ን20 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ስለዘይፀንሐ ምርመራ ድሕንነት ከምዝግበረሉ ኣረዲኡ።
መበገሲኡ ካብ ኣዲስ ኣባበ ዝገበረ ካልእ መስመር ብሞጆ፣ ኣዋሽ፣ ኣርባ፣ ዲችኤቶን ቡሬን ሓሊፉ ዓሰብ ዝወስድ 879 ኣስፋልት መንገዲ ዝበዝሕ ክፋሉ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ካብ ደችኤቶ ክሳብ ቡሬ ዝግበር ጉዕዞ ብተቐያሪ መንገዲ ስለዝኾነ ብዝተወሰነ ደረጃ ፈታኒ ከምዝኸውን ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ሩባ መረብ ዘሎ ድልድል እውን ናይ ዓቕሚ ፈተሻ ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።
ነቶም መንገድታት ተጠቂምካ ዝግበር ጉዕዞ ዝጅመረሉ መዓልቲ ዝውሰን ብበዓል መዚ መንገድን መጓዓዝያን ከምዝኾነ ኣረዲኡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







