ዝጠፍኡ ታይላንዳውያን ሰገናት ብሂወት ተረኺቦም

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ በዓቲ ዝጠፍኡ 12 ሰገናት ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪን ኣሰልጣኒኦምን ብሂወት ተረኺቦም ኣለዉ።

ግን ከኣ ካብቲ በዓቲ ንምውፃእ ውሽጢ ንውሽጢ ምሕንባስ ክለምዱ ኣለዎም ተዘይኮይኑ ግን ኣብቲ በዓቲ ንኣዋርሕ ክፀንሑ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሉ።

ነቶም ጠፊኦም ዝፀንሑ ቆልዑ፤ ክልተ እንግሊዛውያን ሰራሕተኛታት ምድሓን ሂወት እዮም ረኺቦምዎም።

እቲ በዓቲ ብማይ ምዕልቕላቑ ግን ሽዑ ንሽዑ ካብቲ በዓቲ ክወፁ ኣይከኣሉን። ካብቲ ሕዚ ዘለውሉ ብርኽ ዝበለ ክፋል እቲ በዓቲ ወሪዶም ንደገ ንምውፃእ ክእለት ምሕንባስ ውሽጢ ንውሽጢ ከድልዮም እዩ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕልኽልኽ ዝበለን ንምርኣዩ ዘፀግም በዓቲን ነዞም ቆልዑ ውሽጢ ንውሽጢ ክሕንብሱ ምግባር ግን ሓደገኛ እዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ማይ ክሳብ ዝቕንስ ንኣዋርሕ መግቢ እናቐረበሎም ኣብ ዘለውዎ ክፀንሑ ይኽእሉ'ዮም።

ስድራ ናይዞም ቺያንግ ራይ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ በዓቲ ሉኣንግ ደሃዮም ዝጠፍአ ካብ 11 ክሳብ 16 ዝዕድሚኦም ተፃወትቲ ኩዕሶ እግርን ወዲ 25 ዓመት ኣሰልጣኒኦምን፡ ብሂወት ብምርካቦም ሓጎሶም ገሊፆም።

ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ኣብቲ በዓቲ ንዝነበረ ማይ ብምቕዳሕ ዋላ እኳ ንምንካይ ፈቲኖም እንተነበሩ፡ ክንድቲ ዝድለ ለውጢ ክመፅእ ግን ኣይከኣለን።

ኮማንደር ሓይሊ ባሕሪ ታይላንድ ኣፓኮርን ዩኮንግካው "እቲ በዓቲ ፀልማትን ብማይ ዘዕለቕለቐን ብምዃኑ፡ ኣለሻና ከቢድ ይገብሮ፤ ግና እቲ ቀንዲ ነገር ሎሚ መዓልቲ ቅልጣፈና ብምውሳኽ ነዞም ሰገናት ክንረኽቦም ኣለና" ኢሎም ምንባሮም ይዝከር።

ቅድም ክብል ካብቲ በዓቲ በቢ ሰዓቱ ኣስታት 10 ሽሕ ሊትር ማይ ተቐዲሑ ክወፅእ ዋላ እዃ እንተተገበረ፡ ሕዚ እውን ግና እቲ በዓቲ ብማይ ኣዕለቕሊቑ ይርከብ።