ፕረዚደንት ጂቡቲ፡ ኣብ ደገ ዘለዉ ተቓወምቲ ናብ ሃገር ክኣትዉ ፀዊዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ጂቡቲ ኢስማኤል ዑመር ጊሌ ምስ ቢቢሲ ሶማሊ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ ደገ ዘለዉ ተቓወምቲ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝኽእሉ ገሊፆም።
ዴሞክራሲ ናብ "ሕንፍሽፍሽ" ከእትዎም ከምዘይግባእ ተዛሪቦም።
"ሰባት ሓሳባቶም ብናፅነት ክገልፁ ኣለዎም። ብተመሳሳሊ ድማ ሓበራዊ ረብሓታት ምርኣይ የድልይ" ዝበሉ ዑመር ጊሌ፡ ዴሞክራሲ ናብ ዕግርግር ዘእቱ እንተዳኣ ኮይኑ ናብ ፈጣሪ ጸሎት ምግባር ከምዘድልይ ሓቢሮም።
ሓሳባቶም ስለዝገለፁ ዝተኣሰሩ፣ ዝተቐተሉን ዝተፈረዶምን ከምዘየለዉ ብምርግጋፅ፡ "ሰባት ናብ ደገ ኣብ ዝወፁሉ እዋን ጥርዓናት እናቕረቡ ድጋፍ ይረኽቡ። ተወቒዕና ስለዝበሉ ገንዘባዊ ሓገዝ ይረኽቡ'ዮም። ይኹን እምበር እንተመፂኦም ክንቕበሎም ኢና" ኢሎም።
"ካብ ሃገሮም ብምውፅኦም ተሓተቲ እንገብረሉን፡ ይቕረታ ዘይንህበሉን ምኽንያት ኣይክህሉን" ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።
ብዛዕባ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዯጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ሂቦም ነይሮም።
"ሓድሽ ኣንፈት ዝመረፀ ይመስል። ናብ ስልጣን ምስመፀ ፈለማ ናብ ጂቡቲ'ዩ መፂኡ። እንተሓባበረሉ መደብ ኣለና። ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ስራሕ እናሰራሕና ኢና።" ኢሎም።
ክልትኤን ሃገራት ብዙሕ ዕዳ ከምዘለወን ብምዝኽኻር፡ ሓቢረን ክኸፍላ ከምዘለወን ገሊፆም።
"ነዚ ክንፍፅሞ ንኽእል ብዞባዊ ውህደትና ኣቢልና'ዩ። ምስ ኬንያ'ውን ስምምዕ ኣካይድና'ለና። እዚ ድማ ኣብ ወደባት፣ ህንፀት መገድታት፣ ባቡርን መገዲ ኣየርን ሓቢርና ኢንቨስት ክንገብር የኽእለና" ክብሉ ኣብሪሆም።
ንሶማሊያ'ውን ኣብቲ ሓበራዊ ናይ ምልማዕ ንጥፈታት ከምዝሓውስዋ ገሊፆም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







