"ኣንዳርጋቸዉ እንተዘይተፈቲሑ ስልጣነይ ክለቅቕ'የ"

ምንጪ ስእሊ, BBC Hardtalk
21 ግንቦት 2010 ዓ.ም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ኣቶ ኣንዳርጋቸዉ ጽጌ፡ ብፈተዉቱን ስድርኡን ካብ ዝተገበረሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ብዝሰገረ ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተራኺቡ ንልዕሊ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ከምዝዘተየ ንቢቢሲ ሃርድ ቶክ ተዛሪቡ።
ኣቶ ኣንዳርጋቸዉ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብዛዕባ ዝገበሮ ዘተ ንዝኾነ ይኹን ናይ ዉሽጢ ዓዲ ኾነ ወጻኢ መራኸቢ ሓፋሽ ከይተዛረበ ጸኒሑ ሕጂ ንቢቢሲ ገለ ጉዳያት ብምልዓል ተዛሪቡ።
እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ምስ ዝተፈላለዩ ተነሓናሕቲ ሓይልታት ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ንምዉሳድ ምሕሳቡ ከምዝገለጸሉ ተዛሪቡ።
ኣብ ዉሽጢ ኢህወደግ ምፍታሕ ኣንዳርጋቸዉ ጽጌ ዘይደልዩ ዉልቀ ሰባት ከምዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ከምዝገለጸሉ ዝሓበረ ኣቶ ኣንዳርጋቸዉ ፍትሑዎ "እንተዘይኾይኑ ኣነ ስልጣነይ ክለቅቕ'የ" ኢሉ ከምዝተኸራኸረ ገሊጹ።
ኣብዪ ኣሕመድ ኣቶ ኣንዳርጋቸዉ ክፍታሕ ኣለዎ ኣብ ዝብል ክትዕ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ኣብ ሓደጋ ምዉዳቑ ከምዝሰምዐን፡ እዚ ክልቲኦም ንክቀራረቡ ሓደ ምኽንያት ከምዝኾነን ሓቢሩ።
"እዚኦም ናይቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ትክክለኛ ቃላት'ዮም። ይኣምኖ እየ። እቲ ምንታይ ኣብ ገጹ ብናተይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምፍታሕ ክገጥሞ ዝክእል ጸገም ተረዲአ'የ" ክብል ኣቶ ኣንዳርጋቸዉ ንሃርድ ቶክ ገሊጹ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







