ዓዲ እንግሊዝ ንሰብ ሞያ ጥዕና ቪዛ ከተፍቅድ እያ ናይ ኤሜግሬሽን ሕጊ ከትፍኩስ ኢያ

ዓዲ እንግሊዝ ናብ ሃገራ ናይ ዝኣትው ሓካይምን ነርስታትን ናይ ቪዛ ሕግታት ከተፍኩስ ኢያ ይብሃል።

ነቶም ናብ ሃገራ ኣትዮም ንዜጋታት ዝሕክሙ ሰብ ሞያ ጥዕና ቪዛ ምኽልእ ትርጉም ኣልቦ ኢዩ ተባሂሉ።

ነዚ ዝተረድኣ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሳጂድ ጃቪድ ኣብቲ ሓድሽ ናይ ኤሜግረሽን ሕግታት ገለ ጸገማት ከምዘለዎን ዳግመ-ገምጋም ክግበረሉ ከምዝኾነን ዝገለጸ።

መንግስቲ እንግሊዝ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮኑ ሰብ ሞያ ናብ ሃገራ ንኽኣትው መታን ከተፍቅድ ናይ ኤሜግረሽን ሕግታታ ከተፍኩስ ኢያ ተባሂሉ።

ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት [ሆም ኦፊስ] እቲ ናይ ቪዛ ውሳነ ነቶም ካብ ደገ ዝኣትው ሓካይምን ነርስታት ከምዝምልከቶምን ዘይምልከቶምን ሎሚ ዓርቢ ከፍልጥ ትጽቢታት ኣሎ።

እቲ ሕጊ፡ ቴሬዛ መይ ምኒስተር፡ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብዝነበረትሉ ኢዩ ተኣታትዩ። ብመሰረት`ቲ ሕጊ ድማ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ዓመት ኣስታት 20,700 ሰብ ሞያ ካብ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮና ሃገራት ከተእቱ ወሲና ጸኒሓ።

ሓላፊ ሃገራዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት [National Health Service, NHS] ግና እቲ ሕጊ ዝኣኽሉ ሰብ ሞያ ጥዕና ንምእታው ዓንቃፊ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ብሰሉስ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፡ ብሰንኪ`ቲ ዝወጸ ሕጊ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ካብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮኑ 2,360 ሓካይም ቪዛ ተኸሊኦም።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ 100 ህንዳውያን ሓካይም ቪዛ ተኸሊኦም፡ እዚ ናይ ኤሜግረሽን ሕግታት ነቲ ናይ ጥዕና ሰብ ሞያ ንምርካብ ዘካይድዎ ስርሓት ይዕንቅፎ ከምዘሎ ሓላፊ ሃገራዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ 35,000 ነርስታትን ናይ 10,000 ሓካይም ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ከምዝነበረ እቲ ሃገራዊ ናይ ጥዕና እገልግሎት ገሊጹ።

ኣስታት 12.5 ሚኢታዊ ሰብ ሞያ ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ወጻእተኛታት ኢዮም ኢሉ ዓለማዊ ማሕበር ክኢላታት [ቲንክ ታንክ]። እዚ ቁጽሪ ኣብ ገለ እዋን ብፍላይ ኣብ ከም ሓካይም ቆልዑ፡ ልብን መትን ዝኣመሰሉ ናብ 45 ሚኢታዊ ከምዝድይብ ገሊጹ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣስታት 1,000 ዝኾኑ ናይ ኮምፕዩተር ኪኢላታትን ኢንጂኔራትን ቪዛ ተኸሊኦም።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሓካይምን ነርስታትን ኢዩ ተግባርዊ ክኸውን ኢዩ። ዋላ`ቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዓመት 20,700 ሰብ ሞያ ናብ ሃገራ ክኣትው እተፍቅዶ ቅጽሪ ኣይቀየር።

ንኻልኦት ኣሽሓት ዝኾኑ ኣብ ፋብሪካታት ዝሰርሑን ናይ ኮምፒዩተር ክኢላታትን መማህራንን ግና እቲ ሕጊ ኣይትንክፎምን ኢዩ ተባሂሉ።

ከም ፖሊሲ`ቲ ሃገር ቁጽሪ ናብቲ ሃገር ዝኣትው ሰባት ትሕቲ 100,000 ክኸውን ዝዓለመ ኢዩ።

ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሳጂድ ጃቪድ ምስ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ኣንድሪው ማር ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ኣብቲ ሕድሽ ሕጊ ገለ "ጸገማት ስለዝረአየሉን" ``ዳግመ-ገምጋም`` ከምዝገብረሉን ኣተንቢሁ።

"ሳጂድ ጃቪድ ቅድሚ ዓዲ እንግክሊዝ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምውጽኣ ከተኣታትዎ ናይ ዝደልዮ ኣገባብን ዝያዳ ተባዕን ተዓጻጻፍን ዝኾነ ስጉምቲ ኣብቲ ሓድሽ ናይ ኤሜግረሽን ሕግታት ክወስድን ድልየት ከምዘለዎ የርኢ" ኢሉ ሳንደር ካታዋላ፡ ሓላፊ ናይ ኤሜግሬሽን ቲንክ ታንክ።

"ነቶም ዓዲ እንግሊዝ ዘድልይዋ ሓካይምን ነርስታትን ቪዛ ምኽላእ ጨሪሱ ትርጉም ኣልቦ ኢዩ"።