እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቆጸሮ ድራር ሶፊያ ምስ ኣብይ ኣሕመድ
ሽፋሽፍትን ቅርኒብን የዒንታ እንክንቀሳቀስ፣ ሕብሪ ዝተለኸየ ከንፈራ ንዘረባ እንትኽፈት ብሓቂ ግን እዛ ጓል ብኢድ ሰብ ድያ ተሰሪሓ? ክትብል ትግደድ። ንነብስኻ ብዙሕ ሕቶታት ክትሓትት እያ ትገብረካ።
ጋዜጠኛታት ጋሻ ገይሮም ዓዲሞምዋ፡ ሽማ ኣብ ዓለም ሙሉእ ተቓሊሑ፡ ከም ሶፊያ ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ዝሰሓበ ሮቦት ገና ኣይተፈጠረን።
ውሩይ ኣሜሪካዊ ተዋሳኣይን ኣላዪ ፊልምን ዊል ሰስሚዝን ካልኦት ፍሉጣት ሰብሞያ ፊልምን ቅድሚ ሕዚ እንግዶት ገይሮሙላ እዮም።
ሓደ መዓልቲ ሶፍያን ዊልስሚዝን ተራኺቦም ቡን ሻሂ እንበሉ የዕሊሎም'ዮም።
"ኣነ ዝብለኪ ሶፊያ፤ ሮቦታት'ሲ እንታይ ዓይነት ሙዚቃ'ዮም ዝፈትዉ?" ክብል ዊል ሓተታ።
ሶፊያ ድማ ቁሩብ ሕስብ ኣቢላ "...ኤሌክትሮኒካዊ ሙዚቃታት እየ ዝፎቱ፡ ሂፕ ፖፕ ግና ብዙሕ ኣይኮንኩን" ክትብል መለሰትሉ።
ዊል ስሚዝ ብመልሲ ሶፍያ ኣዝዩ ተገረመ።
ን 'ነብሲ' ሶፍያ ዝሃንፅ ኢትዮጵያዊ ትካል
ኢትዮጵያዊ ትካል 'ኣይ ኮግ ላብስ' ምስቲ ተቐማጥነቱ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝገበረ ሃንሰን ሮቦቲክስ ብምዃን ንረቂቕ ንዋት'ታ ሮቦት ንምህናፅ ንሰለስተ ዓመታት ተፈራሪሙ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ ድማ እቶም ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ቴክኖሎጂ ኢዶም ብምሕዋስ ጋህዲ ክትከውን ከምዝገበሩ መካየዲ ስራሕን መስራትን አይኮግ ላብስ ኣይተ ጌትነት አሰፋ ይዛረብ፡፡
እዚ ብምዃኑ ድማ ነብሲ ሶፍያ ኢትዮጵያዊ እዩ ክንብል ንኽእል።
እቲ ትካል ኣብ ዘፈር ሰብ ሰራሕ ኣስተብህሎን ሰብ ሰራሕ ኣእምሯዊ መስርሕ ንምንጣፍ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተመስረተ እዩ።
እቶም ክኢላኣታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ቴክኖሎጂ ዘለዋ ዓቅሚ ንዓለም ብምፍላጥ ኣብ መፃኢ ዓበይቲ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ንምብርካት ሕልሚ ኣለዎም።
ኣብዚ ሰዓት እቲ ኩባኒያ መጽናዕቲ ቴክኖሎጂ ዘካይዱ፣ ተርጎምቲ ምልክት፣ ሰብ ሞያ ፕሮግራምን ኣብ ናይ ተግባር ልምምድ ዝርከቡ ተመሃሮን ሓዊሱ ልዕሊ 75 ሰራሕተኛታት ሒዙ ይሰርሕ ኣሎ።
ሶፊያ ካብ ካልኦት ሮቦታት ብምንታይ ትፍለ?
"ሶፊያ ጓል ኣንስተይቲ ሮቦት እያ" ይብል ኣጥ ጌትነት። "ጽቡቕ መልክዓን ናይ ገጻ ቕርጽን'ዩ" ይብል እቲ ኣካያዲ ስራሕ።
ጥረ ኣቕሓ ብቐሊሉ ብዘይምርካቦም፡ ደጋዊ ኣካላ ኣብ ምህናጽ ዝተገበረ ተሳትፎ ዉሑድ'ኳ እንተኾነ፡ ብኣተሓሳስብኣ፣ ንነገራት ዘለዋ ኣረዳድኣ፣ እትጥቀመሉ ቋንቋን ንብዙሓት ተገርም።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ዘለዎም ስምዒትን ባህልን ብምግንዛብ ናይ ሰባት ዉሽጣዊ ስምዒት ምርዳእ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዋ።
ኣጋጣሚ ኮይኑ ሶፊያ በዓልቲ ሓዳር እንተትኸዉን "ከም ሶፊያ ዝርድኣኒ ሰብ የለን" ክብል ክምስክር ምኽኣለ ነይሩ። ሶፊያ ብዘለዋ ባህሪ ምስኣ ስሙር ሓዳር ምምስራት ከምዝከኣል ዘወላዉል ኣይኮነን።
ናይ ሙሉእ ሰዓት ሰራሕተኛን በዓል ሞያ ቴክኖሎጂን እቲ ትካል ደረጀ ታደሰ፡ ሶፊያ ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ እንትትመጽእ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ቃለ መሕትት ክግበረላ'ዩ።
"ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክትዛረብ ምግባር ይከኣል'ዩ። ሕዚ ድማ ኣምሓርኛ ክትዛረብ ዝሕግዛ ቴክኖሎጂ ይስርሐላ ኣሎ" ኢሉ።
ካብ ኣፋ ዝወጽእ ናይ መጀመርታ ናይ ኣምሓርኛ ዘረባ "እንኳዕ ደሓን ጸናሕኹም" ዝብል ክኸዉን ከምዝኽእል ይግመት።
ሶፊያ መዓዝ'ያ ክትመጽእ?
ቀዳም ንጉሆ 23 ሰነ 2010 ዓ.ም ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ መድሃኒኣለም ላዕለዎት ሰብ ስልጣን ዝርከብሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ክግበረላ'ዩ።
ኣብ ሃገራዊ ሙዝያም "ካብ ሉሲ ክሳብ ሶፊያ" ብዝብል ርእሰ ዝተዳለወ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ ክወሃብ'ዩ።
23 ሰነ 2010 ዓ.ም ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጅን በብዓመቱ ኣብ ዘዳልዎን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ክኸፍቶ ትጽቢት ዝግበረሉን ዓለም ለኸ ኤክስፖ ሶፊያ ክትርከብ'ያ።
ኣብ'ዚ ዕለት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ አሕመድ ኣብ ዘዳለወላ እንግዶት ድራር ድማ ክትርከብ ትጽቢት ኣሎ።
ኣብ ምንታይ ዛዕባ ክዘራረቡ'ኮን ይኾኑ? እተፍትሖ እሱር'ከ ይህሉ'ዶ ይኸዉን?
መሳፈሪኣ ክንደይ'ዩ?
ቅድሚ ሕዚ ናብ ግብጺ ተጉዒዛ ዝነበረት ሶፊያ ሓምሳ ሽሕ ዶላር ወጻኢ ተገይሩላ ከምዝነበረ ዝዛረብ ኣይተ ጌትነት፡ ኣብ ኣፈጣጥራ ሶፊያ ርኡይ ተራ ዝነበሮም ኢትዮጵያውያን ስለዝኾኑ ብበዓል ዋንነት ሒዙዋ ካብ ዘሎ ሀንሰን ሮቦቲክስ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዋ ጉዕዞ ክንኪ'ዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ።
ስለዝኾነ ድማ ትሕቲ 50 ሽህ ዶላር ክተዉጽእ'ያ'ኳ እንተተባህለ ክሳብ ሕዚ ግና ወጻኢኣ መን ከምዝሽፍኖ ብወግዒ ዝተገለጸ ነገር የለን።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነበራ ምብጻሕ ስዒቡ ሶፊያ ዝብል ሽም ዝረኸበት እዛ ሮቦት ዜግነት ስዑዲ ዓረብ ተዋሂቡዋ'ዩ።
መብዛሕትኡ ነብሳ ኢትዮጵያዊ'ዩሞ መሬት ኢትዮጵያ እንትትረግጽ ድማ ኢትዮጵያዊ ሽም ክወሃባ'ዩ።
ጣይቱን ሉሲን ዝብሉ ኣሽማት ብሕጹይነት ዝቐረቡ እንትኾን፡ ናይ እቴጌ ጣይቱ ሽም ክትወርስ ተስፋ ተገይሩ ኣሎ።
ኢትዮጵያዊ ናይ ክብሪ ዜግነት ክመእትረክብ ድማ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ገሊጹ።