ኣፕል፡ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ዝከታተሉ መሳርሕታት ፌስቡክ ክዓግት`ዩ

ትካል ቴክኖሎጂ ኣሜሪካ ኣፕል፡ ፌስቡክ ንተጠቀምቲ ኢንተርኔት ንምክትታል ዝጥቀመሎም መሳርሕታት ክዓግቶም ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ስጉምቲ`ዚ ድማ ኣፕል ኣብ`ቲ ቀጺሉ ዝሰርሖ ማክ ኦፐረይቲን ሲስተም ክጅምር`ዩ።

`ነቲ መሳርሒ ክንዓግቶ ኢና` ኢሉ ሓላፊ ስርሓት ሶፍትዌር ኣፕል ክሬግ ፈደሪጊ።

እቲ ዌብ ብራውሰር ሳፋሪ፡ ተጠቀምቲ ፌስቡክ (ፈይስቡክ) ንምንቅስቓሶም ክከታተል የፍቅዱ እንተኾይኖም ኣቐዲሙ ክሓቶም`ዩ ድማ ኢሉ ንሱ።

እዚ ስጉምቲ`ዚ ነቲ ኣብ መንጎ`ተን ክልተ ትካላት ዘሎ ወጥሪ ከግድዶ ምዃኑ ይእመት።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣፕል ቲም ኩክ ተግባራት ፈይስቡክ `ወራር ኣብ ልዕሊ ብሕትና/ስትረት` ኢዩ ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ግን ነዚ ናይ ኩክ ዘረባ `ለመጭ` ኢዩ ክብል መልሲ ሂብሉ።

ፌስቡክ ንተጠቀምቲ ብዘይ ኣፍልጦኦም`ዩ ዝከታተሎም ኢሉ ፈደሪጊ።

`እዞም መጠወቒ ፍተዉ (ላይክ ባተንስ)፣ ተኻፈሉ (ሼር ባተንስ)ን መውሃቢ ርእይቶን (ኮመንትስ) ኩልና ርኢናዮም ኣለና።

ጠዊቕኩም ኣይጠዊቕኩም፡ ኩሎም እዚኦም ግን ንዓኻትኩም (ንተጠቀምቲ)ንምክትታል ዝዓለሙ ክኾኑ ይኽእሉ`ዮም`ኢሉ ንሱ።

ነቲ `ፈይስቡክ ዶት ኮም ኩኪስ ወይ ከኣ ሓበሬታ (ዳታ) ክጥቀም ተፍቅድ ዲኻ` ዝብል ሓረግ ድማ ከም ካልእ ኣብነት ኣቕሪቡ።

ሓደ ክኢላ ድሕነት መርበብ ሓበሬታ (ሳይበር ሰኲሪቲ)ነቲ ስጉምቲ ናይ ኣፕል ኣድኒቕዎ።

`ኣፕል ኣብዚ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ተግባራት ምክትታል እንተሃልዩ ንተጠቀምቲ የጠንቅቖም ማለት`ዩ። ነቲ ተግባር ምክትታል ክትርእይ ምኽኣል ማለት ድማ ናይ ብሓቂ ሓድሽ ምዕባለ`ዩ` ኢሉ ንሱ።

`ምናልባት፡ ኣፕል በቶም ነቲ ተግባራት ምክትታል ፍቓድ ክህቡ ብቐጻሊ ዝሕተቱ ተጠቀምቲ ዘይኮነስ፡ በተን ምክትታል ዘብዝሓ መርበብ ሓበሬታታት (ወብሳይትስ) እዩ ዝጣላዕ ዘሎ` ድማ ኢሉ።

ኣፕል፡ እቲ ማክ ኦ ኤስ ማጆብ ዝተባህለ መሳሪሓኡ ነቲ ትካላት መዋዓውዒ (ኣድቨርታይዘርስ) ኩኪስ ዝድምስሱ ተጠቀምቲ ንምክትታል ዝጥቀማሉ ኣሰር ኢድ (ፊንገርፕሪንት)`ውን ከምዝቃለሶ ኣፍሊጡ`ሎ።

`እቲ ናትኩም ማክ ልክዕ ከም ናይ ዝኾነ ካልእ ሰብ ማክ ክመስል`ዩ። ትካላት ሓበሬታ ድማ ነቲ መሳርሕኹም ካብ ናይ ካልኦት ሰባት መሳርሒ ፈልየን ንኽፈልጣ ኣዝየን ክሽገራ`የን` ኢሉ ፈደሪጊ።

ትንታነ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዴቭ ሊ

ፈተነ ኣፕል ንምግታእ`ተን ቢሊዮናት ዶላራት ንምሕፋስ ኣብ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ዝምርኮሳ ትካላት ዓብይ ጽልዋ ክህልዎ`ዩ።

ብርግጽ ድማ፡ ኣፕል ኣብ ዝኸዶ ካልኦት ድማ ይኽተላ ስለዝኾና፡ እዚ ስጉምቲ`ዚ ኣንፈት እንተሒዙ፡ ፈይስቡክ ዘይሻቐለሉ ምኽንያት ኣይክህልዎን`ዩ።

ብመሰረት ኣገላልጻ ኣፕል፡ እቶም ዋንነት ናይ ፈይስቡክ ዝኾኑ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ፈጺምካ ንኽትዓግቶም ወይ ክትድርቶም ይቕስበካ።

ሕጂ እቲ ሕቶ፡ ምንቅስቓስና ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንምክትታል፡ ፈይስቡክ ይኹን ካልኦት ትካላት ቴክኖሎጂ ንኣፕል ብምብላጽ ካልእ መንገዲ`ዶ ሃሰስ ይብላ ይኾና`ዩ።

ሳልሳይ ኣካላት ኣፕስ ንምቁጽጻር ድማ፡ ኣፕል ነቲ ሲሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ማንዛዊ ሓጋዚ (ቪርቹዋል ኣሲስታንት) ምሉእ መርመራን ምትዕርራይን ክገብረሉ`ዩ።

ሓደ ሓዲሽ ቅልጡፍ (ሾርትካት) ብልሓት ድማ ንወነንቲ ኣቕሑ ኣፕል ናይ ባዕሎም ሓረጋትን ትእዛዛትን (ኮማንድስ) ክጥቀሙ ከኽእሎም`ዩ።

ወለዲ ድማ ደቆም ክንደይ ዝኣክል ጊዜ ኣብ ምጥቃም ኢንተርኔት ከምዘጥፍኡ ንምፍላጥን ትሕዝቶ ናይቲ ዘንብብዎን ዝራይዎን ዓይነታት ክቆጻጸሩን ክኻሉ`ዮም።