ብዛዕባ ፊስቱላ ደቂ ተባዕትዮ እንታይ ትፈልጡ?

ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ገዝኦም ናይ ምውሳን ስልጣኖም ልዑል ከምዝኾነ ስለዝእመን ሰኣን ፍልጠቶም ነቲ ሕማም ክቃልዑ'ዮም ኢልካ ኣይሕሰብን። ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድል ስለዘለዎምን ሓበሬታ ቀልጢፎም ከምዝረኽቡን ስለዝእመን ድማ መንቀሊኡ ስእነት ሓበሬታ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን።
ምኽንያት ተቓላዕነት ፊስቱላ ደቂ ተባዕትዮ ድኣ እንታይ እዩ?
መብዛሕቲኡ ግዜ ምስ ጽኪ ፍረ ነብሲ ተባዕትዮ ተዛሚዱ ብፍላይ በቲ ሕማም እዚ ዝተቓልዐ ሰብ እናዓበየ ክመጽእ እንከሎ ሕማም ካንሰር ከስዕብ ይኽእል። ነዚ ስዒቡ ድማ ሽንቲ ናይ ምቁጽጻር ክእሎ ይስእን።
ሕማም ፊስቱላ ደቂ ተባዕትዮ ብሰንኪ ጾታዊ ረኽቢ ምስ ዝመሓላለፉ ሕማማት'ውን ክተሓሓዝ ይኽእል'ዩ።
ምስ ሽንቲ ተዛሚዱ ጽቡቕ ስምዒት ዘይክፈጥረሉ ይኽእል'ዩ። ሕማም ፊስቱላ ደቂ ተባዕትዮ ንመኻንነት'ውን ከቃልዕ ይኽእል።
ምልክታት ሕማም ፊስቱላ ደቂ ተባዕትዮ
ሽንቲ በቲ ንቡር መንገዲ ምኽያድ ገዲፉ ከም ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣሸያይና ይሸይን።
እቲ ሽንቲ መሕለፊ እንተድኣስኢኑ ድማ ኣዝዩ ልዑል ቃንዛ የስዕብ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተርእዮታት እንተጋጥሙ ቀልጢፍካ ናብ ማእኸል ሕክምና ምኻድ የድሊ።
ብተፈጥርኦም ምስቲ ሕማም ዝተፈጥሩ ዕሸላት ድማ ከም ብሓዱሽ መጥባሕቲ ተሰሪሑሎም ሰላማዊ ናብራ ክነብሩ ይኽእሉ'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







