ኣብ ደቡብ አፍሪካ እቲ ዝተሓተ ወርሓዊ መሃያ 278 ዶላር ክኸውን እዩ

ኣብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝሳተፉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሸቃሎ ዕደና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝሳተፉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሸቃሎ

ፓርላማ ደቡብ አፍሪቃ ዝተሓተ መጠን መሃያ ዝድንግግ ረቂቕ ሕጊ ከምዘፅደቀ ተገሊፁ።

ደቡብ አፍሪካ ኣብ ዓለምና ልዑል ናይ መሃያ ኣፈላላይ ካብ ዝረኣየለን ሃገራት ሓንቲ እያ።

እዚ ኣብ ፓርላማ ተቐባልነት ዝረኸበ ሕጊ ብሰዓት እቲ ዝነኣሰ ክፍሊት 20 ራንድ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኾነ ይድንግግ።

እዚ ማለት ድማ ብሰዓት ኣስታት ሓደ ዶላርን ስሳ ሳንቲምን እዩ።

ዋላኳ ፕሬዚዳንት ራማፖሶ ነዚ ረቂቕ ናብ ሕጊ ዝቕይር ክታሙ እንተዘየንበረ፤ እዚ ወሰኽ ክፍሊት እንተነኣሰ መነባብሮ ናይ 6 ሚልዮን ዜጋታት ከምዘመሓይሽ ትፅቢት ይግበር።

ገዛኢ ሰልፊ ኤኤንሲ ነቲ ሕጊ ታሪኻዊ ኢልዎ።

ዲኤ ዝበሃል ዓብዪ ተነሓናሒ ሰልፊ ብወገኑ ነቲ ስጉምቲ ዝቃወም መግለፂ ኣውፂኡ።

"እቲ ረቂቕ ሕጊ እኹል ህዝባዊ ዘተ ኣይተገበረሉን፤ ብዙሓት እውን ንስእነት ስራሕ ከሳጠሖም እዩ" ብምባል ኮኒንዎ።