ካብ ክፍሊ ዝደንጎዩ ናይጀርያውያን ተምሃሮ ኣብ መስቀል ተኣሲሮም ተገሪፎም

ምንጪ ስእሊ, Punch Newspapers
ኣብ ናይጀርያ ሰለስተ ሰባት ንቤት ትምህርቲ ደንጉዮም ዝመጹ ተምሃሮ ኣብ ወሰን መንገዲ ኣብ መስቀል ብምእሳር ብጭጉራፍ ብምግራፎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም።
እቶም ሐላፊ ቤት ትምህርቲ ዝርከብዎም ሰለሰተ ሰባት ፡ ፖሊስ ሃንደበት በቲ መንገዲ ምስ መጸ'ዮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም።
ካብቲ ቦታ ዝተወስደ ስእሊ ከምዘርእዮ ብውሑዱ 2 ንኣሽቱ ሰባት፡ ሐደ ወድን ጓልን ኣብ መስቀል መሳሊ ተኣሲሮም የርኢ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ነቲ መቅጻዕቲ 'ኣርሜናዊ ተግባር' ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ፖሊስ ነቶም ተምሃሮ ካብ መግራፍ ከድሕኖም'ኳ እንተፈተነ ክሰልጦ'ግን ኣይከኣለን።
'ንተምሃሮ ክፈትሖም ምስጀመርኩ፡ ንዓርከይ ሐዊሶም ዋና ቤት ትምህርትን መምሃራንን ቀጥቂጦምና' ክብል ንሐንቲ ጋዜጣ ሐቢሩ።
እቶም ገበነኛታት ሓገዝቲ ምስ መጽኡ ኣብ ትሕቲ ቀይቲ ክኣተው ኪኢሎም።
ናይ ኦጉን ክፈል ሃገር ኣፈኛ ንቢቢሲ ከምዝሐበሮ ሐደ መምህር ዝርከቦም ሐላፊ ቤት ትምህርትን፡ ወናኒን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተውን ኣብ ሕጊ ከምዝቐርቡን ኣፍሊጡ።
እዛ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ለጎስ ከባቢ 145/ኪሜ ርሒቃ ትርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







