ኣልሸባብ '11 ሰብኡት ዘለውዋ' ሶማልያዊት ብእምኒ ቀጥቂጡ ቀቲሉ

ወተሃደራት ኣል-ሸባብ 13 ለካቲት 2012 ምስ ኣልቃይዳ ምፅንባሮም ብምድጋፍ ሰልፊ ድሕሪ ምግባሮም ኣብ ኣብ ኤላሻ ቢያሃ ተኣኪቦም ይራኣዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ዓማፂ ጉጅለ ከምዝበሎ፤ እታ ሰበይቲ ኣብ ሶማሊያ ብእምኒ ተቐጥቂጣ ክትቅተል ዝተገበረት ብኣልሸባብ ዝመሓደር ቤት ፍርዲ ብዙሓት ሰብኡት ኣለውኺ ኢሉ ምስፈረዳ እዩ።

ሽኩሪ ዓብዱላሂ ዋርሳሜ ምስ ናይ ቀደም ሰብኡታ ፍትሕ ከይፈፀመት 11 ግዜ ሓዳር ፈፂማ ብዝብል እያ ተኸሲሳ።

ወታሃደራት ኣልሸባብ ክሳብ ክሳዳ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ድሕሪ ምቕባር ብዳርባ እምኒ ቀጥቂጦም ከምዝቐተልዋ ነበርቲ ከተማ ሳብላሌ ይዛረቡ።

ኣልሸባብ ጥቡቕ ትርጓመ ሕጊ ሸሪዓ እዩ ተግባራዊ ዝገብር።

እቲ ዓማፂ ጉጅለ ብርክት ዝበሉ ከባብታት ሶማልያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ኣእትዩ ዘመሓድር እንትኸውን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነቲ ኣብ ዋና ከተማ ሞቓዲሾ ዝመሰረቱ ማእኸላይ መንግስቲ ንምውዳቕ ሃንደበታዊ ዘመተን መጥቃዕትን ይፍፅም።

ናይ ኣልሸባብ ታሕታይ ሸበሌ ኣመሓዳሪ መሓመድ ኣቡ ኡሳማ "ሹክሪ ዓብዱላሂን ትሸዓተ ሰብኡታን፤ ሕጋዊ ሰብኣያ ሓዊሱ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ተገይሩ፤ ኩሎም ድማ ሰበይተይ እያ ኢሎም መስኪሮም' ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ብመሰረት እስላማዊ ሕጊ፤ ሰበይቲ ብዙሓት ሰብኡት ክህልውዋ ክልኩል እንትኾን ሰብኡት ግን ክሳብ ኣርባዕተ ኣንሽቲ ክምርዐዉ ይኽእሉ እዮም።

ፍትሕ ምፍፃም ንሰበይቲ ኮነ ንሰብኣይ እኳ ፍቑድ እንተኾነ፤ ሰብኡት ንሰበይቶም ክገድፉዋ ይኽእሉ እዮም እታ ሰበይቲ ግን ካብ ሰብኣያ ፍቓድ ክትረክብ ኣለዋ። እንተኣብዩዋ ድማ፤ ናብ ሃይማኖታዊ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ፍቓድ ትሓትት።

በቲ ዓማፂ ጉጅለ ዝመሓደር ሓደ ናይ ዜና መርበብ ከምዝበሎ፤ ሽኩሪ ኣብ "ኣዝዩ ፅቡቕ" ጥዕናዊ ኩነታት እያ ነይራ፤ እቲ ዝቐረባ ክሲ ሰሚዓ ድማ ጥፍኣተኛ ምዃና ኣሚና እያ። እቲ ብይን ካብ ሞቓዲሾ 200 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳብላሌ እዩ ተዋሂቡ።

ፍትሕ ምፍፃም ኣብ ሶማልያ ልሙድ እኳ እንተኾነ ዝርዝር ናይ'ዚ ክሲ ግን ዘይተለመደ እዩ ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቋንቋ ሶማልኛ መውሊድ ሓጂ ዓብዲ።

እቲ ዓማፂ ጉጅለ ሃይማኖታዊ ጥሕሰት ተፈፂሙ እዩ ኢሉ እንትሓስብ ከቢድ ኣካላዊ መቕፃዕቲ ብምፍፃም እዩ ዝፍለጥ።