እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢቦላ: ኣብ ሰሜን ምዕራብ ዲሞክራሲያዊት ኮንጎ ዳግም ተራእዩ
ሓዱሽ ለበዳ ኢቦላ ኣብ ሰሜን ምዕራባዊ ክፋል ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ተራእዩ።
ክልተ ናይቲ ቫይረስ መረጋገጺታት ዝተረኸቡ እንትኾን ሞት 17 ሰባት ከምዘጋጠመ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዓመት ቢኮሮ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ እዚ ሕማም 4ተ ሰባት ቐቲሉ ኣሎ።
ኣብ 2014 ልዕሊ 11000 ሰባት ኣብ ሃገራት ጊኒ፣ ሴራሊዮንን ላይቤሪያን በዚ ቫይረስ ሞይቶም'ዮም።
ካብ ሓሙሽተ ዝሓመሙ ሰባት እቶም ክልተ ዉጽኢቶም ኣብ ቤተ ፈተነ ድሕሪ ምርግጋጹ እቲ ቫይረስ ዳግም ከምዝተልዓለ ዉድብ ጥዕና ዓለም ኣረጋጊጹ።
ሰራሕተኛ እቲ ትካል ፒተር ሳላማ "ዓብዪ ዕዮና ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይንና ኣብ ከተማ ቢኮሮ ምስራሕ'ዩ" ኢሉ።
"ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ምቁጽጻር እዚ ቐታሊ ሕማም ወሳኒ ግደ ኣለዎ" እዉን ኢሉ።
እዚ ዓለምለኸ ትካል ጥዕና 1 ሚሊዮን ዶላር ዝመደበ እንትኾን፡ ልዕሊ 50 ሰብ ሙያ ጥዕና ድማ ኣብታ ሃገር ክሰርሑ መዲቡ።
ኢቦላ ሕዚ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ንታሽዓይ ግዜ'ዩ ዘጋጥም ኣሎ።