መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንወጻእታት ተቓሊዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎም መዓልቲ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ናይ በረራታት ምትእጉጓል ምኽንያት ዓማዊል እቲ መንገዲ ኣየር ተኸላቢቶም።
ቀንዲ ምኽንያት ምድንጓይ በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ስቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ከም ወትሩ ኣብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ብዘይምርካቦም ከምዝኾነ ተገሊጹ።
እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ቦትኦም ዘይተረኸብሉ ምኽንያት ብዝሓለፈ በዓል ፋሲጋ ኣብ እዋን ዕረፍቶም ሰሪሖም ከብቅዑ ተወሳኺ መዓልታዊ ውዕሎ ዓስቢ ስለዘይተውሃቦም ምዃኑ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ብመሰረት ሓድሽ መምርሒ ሚኒስትሪ ልምዓት ቁጠባን ፋይናንስን ኢትዮጵያ፡ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ንሰራሕተኛታተን ኣብ ክንዲ ክፍሊት ተወሳኺ ግዜ ስራሕ ክፍጽማ እኹል ሓይሊ ሰብ ክቖጽራ ዘገድድ እዩ።
"ሰራሕተኛታት ከይቆጸረ ብዘለዎ ሓይሊ ሰብ ክግልገል ጸኒሑ። ደሓር ግን ካብ ስሩዕ ሰዓታት ወጻኢ ብተወሳኺ ናብ ስራሕ ዘዋፈሮም ሰራሕተኛታቱ መዓልታዊ ኣበል ክኸፍሎም ስለዘይከኣለ'ዩ እቲ ጸገም ኣጋጢሙ ክብል ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰራሕተኛ እቲ ኣቭየሽን ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።
ሓላፊ ስቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ኮነሬል ወሰንየለህ ሁነኛው ብወገኖም፡ እቲ ዝተፈጠረ ጸገም ክልተ ሰራሕተኛታት እቲ ኣቭየሽን ግቡኦም ክፍጽሙ ብዘይምኽኣሎም ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ናይ በረራታት ምድንጓይ ኣድላይ ንዘይኮነ ወጻእን ምንግልታዕ ዓማዊሉን ከምዝተቓልዐ ድማ ኣብቲ መንገዲ ኣየር ሓላፊ ክፍሊ ምውፋር ሰራሕተኛታት በረራ ኣይተ ኣማኑኤል ሶፋሃኒ ገሊጹ።
ብፍላይ ይብል ኣይተ ኣማኑኤል፡ ልዕሊ 80 ሚኢታዊት ዓማዊል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ከም መሳገሪ (ትራዚት) ስለዝጥቀሙሉ በቲ ዝተፈጠረ ምድንጓያት ቀጻሊ በረራታት ንዘምልጦም ዓማዊሉ ካሕሳ ክኸፍል ስለዝግደድ ኣድላይ ንዘይኮነ ወጻእታት ኣሳጢሕዎ'ዩ ይብል።
ካብ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘሎ እዋናት ግን በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ወትሩ ብዝተትሓዘሎም ናይ በረራ ግዝያት ይቕጽሉ ከምዘለዉ ኣይተ ኣማኑኤል ሶፋሃኒ ዝሃበና ሓበሬታ የረድእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







