"ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣፈ-ጉባኤን ካብ ሓደ ውድብ ክኾኑ ኣለዎም ኢለ ኣይኣምንን"

ኣፈ ጉባኤ አባዱላ ገመዳ

ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ (ፌዴሪኢ) ኣይተ አባዱላ ገመዳ ቅድም ክብል ንኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወደግ ናይ ስራሕ ምልቃቕ ሕቶ ኣቕሪቦም ዝነበሩ እንትኸውን ንእሽተን ፀኒሖም ድማ ናብ ስረሖም ምምላሶም ዝዝከር እዩ። እዚ ውሳነኦም ልክዕ ከምዝነበረ ይዛረቡ።

ኣይተ አባዱላ ኣብቲ እዋን ስልጣኖም ንምልቃቕ ሕቶ ዘቕረቡ ክብሪ ህዝበይ ተተንኪፉ'ዩ ብዝብል ምክንያት ከምዝኾነ ዝተዛረቡ እንትኸውን፥ እሞ ናብ ቦተኦም ዝተመለሱ እቲ ተተንኪፉ ዝበሉዎ ክብሪ ህዝቦም ኣበይ ምስ በፅሐ እዩ ዝብል ሕቶ ካብ ብዙሓት ይቐርብ ነይሩ።

"ስልጣነይ ክለቅቕ እየ ዝበልኩ ንውልቃዊ ጉዳየይ ኣይነበረን" ዝብሉ ኣፈ ጉባኤ ኣባዱላ ስልጣን ናይ ውልቀኦም ረብሐ መሐለዊ ዘይኮነስ ናይ ውድቦም ተልእኾ መፈፀሚ መሳርሒ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ውድቦም ኦህዴድ-ኢህወዴግ ኣብ ዘቕመጦም ቦታ ቃልሲ ህዝቦም ዘዐንቅፍን ንድሕሪት ዝጎትትን ኩነታት እንትፍጠር ቂር ከምዝበሎም ግን ካብ ምዝራብ ንድሕሪት ኣይበሉን።

ብዙሓት ዝተሰውእሉ ዝበሉዎ እዚ ዕላማ፡ ኣይኮነን ኣብ ዕድሜኦም ኣብ ዝቕፅሉ ወለዶታት'ውን ተዓዊቱ ከምዘይሃልቕ ገሊፆም። እዚ ክልተን ሰለስተን ወለዶ ዝሓትት ቃልሲ ራሕሪሖም ምኻድ ከምዘይመረፁ ይዛረቡ።

ንምዃኑ ምኽንያቶም እንታይ ነይሩ ?

ኣይተ አባዱላ ከምዝብሉዎ ካብ ስልጣኖም ንምልቃቕ ሕቶ ንምቕራብ ዝተገደድሉ ምኽንያት ኣብ መንጎ ክልላት ኢትዮጵያ ሶማሌን ኦሮሚያን ዝልዓለ ጎንፅን ንዕኡ ስዒቡ ዝተፈጠረ ምምዝባልን ቀንዲ ምኽንያት እዩ።

"እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተራኢዩ ኣይፈልጥን" ድማ ኢሎም።

ካልእ እዚ ሕቶ ንምቕራብ ምኽንያት ኮይኑኒ ዝበሉዎ ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ቁጠባዊ ተረባሕነት ኣይተረጋገፀን ዝብል'ዩ ነይሩ።

ነዚ ሕቶ ንምምላስ ቅድም ክብል ዝተጀመረ ሰብ ሃፍቲ ተወለድቲ ኦሮሞን ካልኦትን ዝሳተፍሉ ኢኮኖምያዊ ወያነ ብኹሉ ወገን ብኣወንታዊ ዘይምርኣዩ ይዛረቡ።

ኦሮሞ ንበይኑ ነፂልካ ኢኮኖምያዊ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ምፍታን ጌጋ እዩ ብዝብል ንሶምን ካልኦት ኣብዚ ሓሳብ ኣብ ምምንጫው ዝተሳተፉ አካላት ካብ ካልኦት ተቓውሞ ከምዝገጠሞም ይዛረቡ።

ከም ናቶም እምነት እዚ ነቲ ውድብ ካብ ዝፈልጥ ሰብ ክልዓል ዝግባእ ሓሳብ ኣይምነበሮን።

"ኦሮሞ ካብ ካልኦት ወፃኢ ተነፂሉ ኣይነብርን፥ ካልኦት ድማ ካብ ኦሮሞ ወፃኢ ተነፂሎም ክነብሩ ኣይኽእሉን" ኢሎም።

"ዴሞክራስያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ (ኦህዴድ) ኣብ ኲናት ተፈጢሩ፥ ኣብ ኲናት ዝዓበየ ዓብይ ዓቕሚ ዘለዎ ውድብ'ዩ" ድማ ኢሎም።

እዚ በብግዚኡ ዘጋጥም ናይ ውልቀ ሰባት ኢድ ኣእታዊነት ነቲ ውድብ ከምዝተፈታተኖ ይገልፁ።

ነዚ መረዳእታ እንትረቕሑ ኣብ 2008 መወዳእታን ኣብ 2009 መጀመርታን ኦህዴድ ኣብ ዘካየዶ ዓᎁቕ ተሃድሶ ተኸቲሉ አመራርሓ እንትቕይር ደስ ዘይብል ኩነታት ተፈጢሩ ከምዝነበረ ይዛረቡ።

ከም እምነት አባዱላ፡ አመራርሓ ምውራድን ምድያብን ናይቲ ውድብ መሰልን ሓላፍነትን ጥራሕ እዩ።

ነዚ ከይዲ ምዝራግ ኦህዴድ ጥራሕ ዘይኮነስ ሃገር'ውን ይጎድእ'እዩ ኢሎም።

እዚ እምነቶም ኣብ ዝተተንከፈሉ እዋን ቅሬተኦም ሒዞም ናብ አቦ መንበር ነበር ኢህወዴግ ምቕራቦም ይዝክሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣቦ መንበር ኦህዴድ ዝኾኑ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስቴር ኮይኖም ምሻሞም ስዒቡ፥ ናይ ስልጣን ሽግሽግ ክግበር ከምዘለዎ ይኣምኑ።

"ቀዳማይ ሚኒስትርን አፈጉባኤን ካብ ሓደ ፓርቲ ከኾኑ ኣለዎም ኢለ ኣይኣምንን። ናይ ስልጣን ሽግሽግ (ምቅይያር) ክግበር አለዎ። እዚ ክዕረ አለዎ። እቲ ግንባር ድማ እዚ ከምዝገብር ይአምን'የ" ኢሎም።