እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደሃይ 28፡ "ማሕበራዊ ናብርኦም ድማ ምስ ኤርትራ ፈጺሙ ኣይራኸብን"
ሽመይ ሙሴ ርእሶም እብሃል። ካብ ኤርትራ መውጽእየይ ዓደይ ጸሊኤ ዘይኮንኩስ፡ ከም ኩሉ ኤርትራዊ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ውትህድርናን ዘይቅሱን ናብራን ባሕርን ጣሕርን ኣቋሪጸ ንኽኸይድ ስለዝገደኒ'ዩ።
ኣብ 2000 ብሱዳን ሓሊፈ፣ ጥልያን ድሓር ዓባይ ብሪጣንያ ኣትየ። መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን እኳ እንተ ኣጋጠመኒ፡ ኣብ ዝደልዮ ንምብጻሕ ግን ኣይዓገተንን።
ብኡ ንብኡ ዘቋረጽክዎ ትምህርተይ ብምቕጻል ቋንቋ እንግሊዝ ምምሃር ብትዕግስቲ ተተሓሓዝክዎ። እዚ ድማ ናብ ራህዋ ንምብጻሕ፡ ብዕንቅፋታታት ምስ እትሓልፍ ከም እትዕወት ዝተመሃርኩሉ መንገዲ'ዩ ኔሩ ክብል እኸእል።
ዘድሊ ቅጥዕታት ኣማሊኤ ድማ ብምህንድስና ኤሌክትሪክ ትምህርተይ ኣብ ኦክስፎርድ ወዲኤ። እቲ ንዓይ ዓቢ ማሕለኻ ዝነበረ ድማ ቋንቋን ማሕበራዊ ናብራንዩ ኔሩ።
ብድሕሪኡ፡ ምስ ናይ ሕጂ በዓልቲ ቤተይ ናይ ሽዑ ኣፍቃሪተይ ሓዳር ንምምስራት ናብ ኖርወይ በርገን እትብሃል ከተማ ኣምሪሔ። ኣብ እውን ቋንቋ ኖርወይ ንምምሃር ጊዜ ወሰደለይ።
ብዝተመሃርኩሉ ሞያ ኣብ ሓደ መጻረይ ነዳዲ ብሞያይ ተቖጺረ እናሰራሕኩ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑት ንምዃን በቒዕ።
ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ካብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ቦታ ተሰናቢተ፡ ናብ ዋና ኸተማ ኖርወይ ኦስሎ ብምእታው "ዱባይ ሓፈሻዊ ዕዳጋ" ዝብል ንግዲ ብምኽፋት ሓዲሸ ምዕራፍ ጀሚረ ኣለኹ'ሞ ይቕናዕካ በሉኒ። ኣብ ኖርወይ እዚ ንምግባር ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ።
ንንብረሉ ከተማ በርገን፡ ንዓይኒ ብዝማርኹ ጎቦታት ዝተኸበበት ብምዃና ኩሉ እዋን ምስ ስድራይ ካብ ገዛና ኣማዕዲና እንርእዮ ግርማ ተፈጥሮ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ከተማ ኦስሎ ዱባይ ንግደይ ኮይነ ወትሩ ዝማዕድዎ ግን ጽባቐ እታ ከተማን መጻኢ ዕድለይን ዕብየተይን እዩ።
ተፈጥሮኣዊ ጎቦታት ንኖርወይን ኤርትራን ዘመሳስለን እኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ዓጽምትኻ ዝኣቱ ቁርን በረድን ግን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ጌረ እየ ዝርእዮ።
ማሕበራዊ ናብርኦም ድማ ምስ ኤርትራ ፈጺሙ ኣይራኸብን። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኖርወይ ኣዝዮም ዝሑላት፣ ዓው ኢሎም ዘይዛረቡን ዘይቀራረቡን ብምዃኖም ጎሮቤትካ ንምፍላጥ'ኳ ጋዶ። ገዝኦም ወትሩ ምስ ዓጸዉ እዮም።
ኣብ ስራሕ ይኹን ትምህርቲ እትፈልጦ ሰብ ኣብ ደገ ንዓኻ ጋሻ እዩ። ድሒረ እኳ እንተለመድክዎ፡ ኣብ ፈለማ ኣዝዩ ንምልማዱ ዘጸገመንን ክሳብ ሕጂ ዘገርመኒን ነገር እዩ።
ነንሕድሕድና ጽቡቕ ዝምድና እዩ ዘሎና። ኣብ ሓጎስ ይኹን ሓዘን ንረዳዳእን ንተሓጋግዘን። እንተዝከኣልኒ እዚ ኣብ ኖርዎይ ክቕይሮ ምደለኹ።
መግቢ ብዝምልከት፡ ኣብ ገዛና እንጀራን ባህላዊ መግብናን ንበልዕ'ኳ እንተኾንና፣ እቲ ኣዝዩ ጨው ዝበዝሖ፣ ንነዊሕ እዋን ደሪቑ ዝቕመጥ መግቢ ኖርወይ እውን ምብላዕ ኣይሓደግናን። ኣነ ግን ካብ ቀደመይ ብዓሳ፣ ስጋን ኣሕምልትን ዝተኸሸነ ፓስታ እየ ኣመና ዝፈቱ።
ከም ዓድኻ ዝኸውን ነገር ስለዘየሎ፡ ንእዋን ቁልዕነተይ ኣዝየ እናፍቓ። ኩዕሶ እግሪ ምጽዋት እዘውትርን ምስ መግቢ ዝተባህለት ካልኣይ ደረጃ ክለብ ትጠርኒፈ እጻወትን ስለዝነበርኩ ዝዓበዅሉ ቦታን ደቂ ገዛውተይን ኣዝየ እናፍቕ።
ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ እዚ ዓዲ ናይ ምኻድ ዕድል እንተዘጋጥምኒ፣ ኣብ እታ ዝተወለድኩላን ዝዓበኹላን ምጭውቲ ከተማ ኣስመራ ቤት ኣቦይ ምስ ፍትዋት ስድራይ ከዕርፍ ምፈተኹ።
ንግዚኡ እዚ ዕድል ስለዘየብለይ ግን እዚ ጀሚረዮ ዘለኹ ሓድሽ ምዕራፍ ሂወተይ "ዱባይ" ዕዳጋይ ሰሲኑ ዓቢ ነጋዳይ ክኸውን እዩ ጻዕረይን ሕልመይን።