እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ቀይዲ ውዒሎም
ቅድሚ ኣዋርሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ዝነበሩ እኒ እስክንድር ነጋን ካልኦት ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ቦታ ጆሞ ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ይግለጽ
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣስታት 15 መምህራን ዩኒቨርስቲን ፖለቲከኛታትን ከምዝተኣሰሩ ተሓቢሩ።
ኣብ መንበሪ ገዛ ተመስገን ደሳለኝ ኣብ ዝተዳለወ እንግዶት ካብ ዝነበሩ ዕዱማት ኣጋይሽ ድሒሩ ድማ ካብ መንጎ ብፖሊስ ዝተትሓዙ ሰባት ንተመስገን ደሳለኝ ሓዊሱ እስክንድር ነጋ፣ ኣንዱኣለም ኣራጌ፣ ዘላለም ወርቃገኘሁ፣ ማህሌት ፋንታሁን፣ በፍቃዱ ሃይሉ፣ ወይንሸት ሞላ፣ ኣዲሱ ጌትነት፣ ይድነቃቸው ኣዲስ፣ ስንታየሁ ቸኮልን ተፈራ ተስፋይን ይርከብዎም።
ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስኣተው ብፖሊስ ምርመራ ዝተገበረሎም ኮይኑ፡ ኣኼባ ምግባር ከምዘይፍቀድን ካብ መንግስቲ ፍቓድ ክሓቱ ከምዝነበሮሙን ከምዝተነገሮም ገሊኦም ስድራ እሱራት ሓቢሮም።
ኣብቲ እንዳ ተመስገን ደሳለኝ ዝተገበረ እንግዶት ከኾብ ዘይብሉ ባንዴራ ኢትዮጵያ ተሰቒሉ ምጽንሑ ድማ ከም ተወሳኺ ክሲ ኮይኑ ቀሪቡ'ዩ።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ውልቀሰባት ፈለማ ኣብ ዝተኣሰርሉ ቦታ ቃሎም ንፖሊስ ድሕሪ ምሃቦም ናብ ካልእ መደብር ፖሊስ ከምዝተወሰዱ ሓው ተመስገን ደሳለኝ ሓቢሩ።
ብተዛማዲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ኣስታት 15 ሰባት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ'ሎ።
ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት መምሃራን ዩኒቨርስቲ ከምዘርከብዎምን ቁጽሮም ካብ'ዚ ዝተጠቕሰ ንላዕሊ'ውን ክዛይድ ከምዝኽእል ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ፍልፍል ሓበሬታና ገሊጹ።
እቶም ውልቀሰባት ኣብ ባህርዳር 9ይ መደብር ፖሊስ ዝተኣሰሩ ኮይኖም ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ትማሊ መዓልቲ ስራሕ ብዘይምንባሩ ኣይሰለጠናን።