እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ሩስያ ዲፕሎማሰኛታት ብሪጣንያ ክሰጉግ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ሩስያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዲፕሎማሰኛታት ብሪጣንያ ካብታ ሃገር ክትሶጉግ ከምዝኾነት ኣፍሊጡ። እዚ ሩስያ ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ: ግብረመልሲ ናይቲ ብዓባይ ብሪጣንያ ዝተኣወጀ ምስጓግ 23 ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት እዩ።
ሞስኮ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ሩስያዊ ኣባል ስለያ ዝነበረን ኣብ ልዕሊ ጓሉን መርዛም ቀመም ብምጥቃም ፈተነ ቅትለት ኣካዪዳ ተባሂላ ንዝተኸሰሰትሉ መልሲ ክትህበሉ ተሓቲታ ድሕሪ ምንጻጋ'ዩ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቶም ኣብ ሃገራ ዝነበሩ ዲፕሎማሰኛታት ከምትሶጎም ኣፍሊጣ።
ኣብቲ ፈተነ ቅትለት ኢድ ከምዘይብላ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ነቲ ብቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ተሬዛ መይ ቀሪቡ ዘሎ ጠቐነ "ጽላለ'ዩ" ኢሉ። ቀጺላ ሩስያ፡ እዚ ብብሪጣንያ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ዘይሓላፍነታዊን መሰረት ዘይብሉን'ዩ ኢላ ገሊጻቶ'ላ።
ሰረጌይ ላቭሮቭ፡ "ሩስያ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምስጓግ ክትጅምር ምዃና የረጋግጸልኩም" ድማ ኢሉ።
ድሕሪ'ቲ ብዕለት 4 መጋቢት ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኩነታት ጥዕና'ቲ ወዲ 66 ዓመት ዝኾነ ሰርገይ ስክሪፓልን ጓሉ ዩልያን ስለዘይተማሓየሸ፡ ኣብ ሆስፒታል ጌና ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክንክን ይርከቡ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተገብረሉ ቦታ ቀዲሙ ዝተረኽበ ኣባል ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ዲተክቲቭ ሳርጀንት ኒክ ቤይሊ'ውን ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ'ቲ መርዛም ቀመም ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን እንተሃለወ'ኳ፡ ኩነታት ጥዕንኡ ይመሓየሽ ከምዘሎ ይንገር።