ደሃይ 24፡ 'ኣብ ሂወተይ ዘሕለፍክዎ ፈታኒ እዋን ግዜ ሕርሰይ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Sofia
ሶፍያ እበሃል፡ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቆልዑትን'የ። ብመርዓ ናብ ስዊድን ካብ ዝመጽእ 5 ዓመታት ገይረ።
ኣብ'ዚ ምስ መጻእኩ፤ እቲ ድሕሪት ዝሓደግክዎ ናብራን ፍቕሪ ቤተሰብን እናሳቐየኒ ብጽምዋ ተበሊዐ ምልማዱ ስኢነ ኔረ፡ ዋላ'ውን ጎረባብትኻ እትናፍቐሉ ቦታ'ዩ።
ካብ'ቲ ዝገርም ኣብ'ዚ ህንጻ ንሓሙሸተ ዓመታት'ኳ እንተተቐመጥኩ ጎረባብተይ ግን ኣይፈልጦሞን'የ።
ኣብ'ቲ ዝዓበኹሉ ካብ ኤምባሲ ሆላንድ ልዕል ኢሉ ዝርከብ ጅማ ዝበሃል ቦታ፡ ጉርብትና ዓቢ ሽንን'ዩ ዝወሃቦ። ካብ ትምህርቲ ክምለስ ኣደይ ምስዘይትጸንሓኒ ፡ እንዳ ጎረቤት ኣትየ'የ ዝበልዕ ኔረ።
ኣነ ናብ ስዊድን ክኣቱ እንከለኹ፡ በዓል ቤተይ ካብ ቁልዕነቱ ኣትሒዙ ንሰላሳ ዓመታት ኣብ'ዚ ብምቕማጡ፡ ባህልን ኣነባብራን እዚ ሕብረተሰብ ኣጸቢቑ ስለዝለመዶ ናፍቖተይ ኣይረድኦን'ዩ ኔሩ።
ደቀይ'ውን ኣብዚ'ዮም ተወሊዶም። ኣብ ጊዜ ጥንሰይን ሕርሰይን ክልተ ነገራት ርእየ። ኣብ'ዚ ዓዲ ንጥኑሳት ዝወሃብ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ምክትታልን ብጣዕሚ ጽቡቕ'ዩ። እንተኾነ ግን ኣደይ ንኸተሕርሰኒ ከምጽኣ ዝገበርክዎ ፈተነ ኣይሰለጠንን።
እዋን ሕርሰይ ኣብ ሂወተይ ካብ ዘሕለፍክዎም ፈተናታት ዝዓበየ'ኳ እንተነበረ፡ ወግዓዊ ሕርሲ ግን ሕልሚ ኮይኑኒ'ዩ ተሪፉ። ኣብ'ዚ ምሕራስን ሓራስን ዝበሃል ኣይፈልጡን'ዮም።
ሓማተይ ናይ ስራሕ ፍቓድ ወሲዳ ከተሕርሰኒ'ኳ እንተፈተነት በጻሕቲ'ውን ብምንባሮም ኩሉ ከም ዓድና ክኽውን ኣይከኣለን።
ኣዲስ ኣበባን ስቶክሆልምን
ክልቲኤን ከተማታት ወላሓንቲ ዘራኽብ የብለንን፡ ኣዝየን ዝተፈላለያ እየን ክብል እኽእል። እንተኾነ ወትሩ ዓርቢ፡ ኣብ ጥቓ ገዛይ ናብ ዝርከብ መስጊድ ክኸይድ እንከለኹ፤ ኣብ'ቲ ከባቢኡ ዘሎ ትሕተ-ቕርጺ ናይ ፒያሳ በኒንን መስጊዳትን የዘኻኽረኒ።
ዋላ'ኳ ብዙሕ ሰብ ኣይሃልዎ እምበር ንድሕሪት መሊሱ ዝሓለፈ ሂወትይ የዘኻኽረኒ።
ኣብ ስቶኮሎም ናይ ኢትዮጵያውያን ባህላዊ ምድላዋት ምስ ዝህሉን ኣስላም ኢትዮጵያውያን ኣብ መስጊድ ምስዝረክብን ተዘክሮይ ንድሕሪት ይመልሶ።

ምንጪ ስእሊ, Sofia
ዝፈትዎ መግቢ
ዋላ'ኳ ኣብ እዋን በዓላት ቀልጢፉ ዝውዳእ እንተኾነ፡ ናይ ኢትዮጵያ ነፋሪት መዓልታዊ ስለእትመጽእ ኩሉ ጊዜ ሓድሽ እንጀራ ምግዛእ ይከኣል'ዩ።
ስለዚ ናይ ዓደይ መግቢ ክረክብ ኣይከብደንን'ዩ። ብርግጽ ዝረኸብክዎ ኩሉ ዓይነት መግቢ ዝበልዕ ሰብ'ይ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ናይ ሃገርና መግቢ ንበልዕ። እዚ ምስዘይህሉ ግን ብብዝሒ ናይ'ዚ ዓዲ ጥሑን ድንሽ ብዓሳ ንበልዕ።
እዚ ዓይነት መግቢ ኣዝየ'የ ዝፈትዎ።

ምንጪ ስእሊ, Sofia
ናፍቖት ሃገር
ልዕሊ ኩሉ ካብ ኢትዮጵያ ዝናፍቖ ቤተሰብን ጎረባብተይን'ዩ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ ኣብ ገዛይ ኮፍ ኢለ ብዛዕብኦም ይሓስብ።
ወትሩ ካብ ገዛይ ኮይነ ኣማዕደየ ዝዕዘቦን ኩሉ ኩነታት ዘዘኻኽረንን ኣእዋምን ቆልዑት ዝጻወቱሉን ንእሽቶ መናፈሲ'ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ጊዜ ጸሓይ ብዙሓት ቆልዑት ክጻወቱ ክርኢ እንከለኹ ገዛውተይን ቁልዕነተይን የዘኻኽረኒ።
ናይ ባህሊ ፍልልይ
ብባህልና፤ ኣብ ዝኾነ እዋን ንብዕድመ ዝዓብዩኻ ሰባት፡ ቀዳምነት ክወሃብ እንከሎ ኣብ'ዚ ግን ኣብ ድኳን፤ ሕክምና ባቡርን ካልእን ብሪጋ'ዩ።
መብዛሕትኡ ጊዜ ንዓበይቲ ዘኽበርኩ መሲሉኒ፡ ኣብ መጓዓዝያ ህዝቢ ወንበር ምስዝሓድገሎምን ቀዳምነት ምስዝህቦምን ዓቕሞም ዝተፈታተንኩ ስለዝመስሎም ገጾም ይጽውጉለይ ኔሮም።
ድሓር ግን እቲ ናይ ባህሊ ፍልልይ ምስተረድኣኒ'ኳ እንተቋረጽክዎ ሓደ ሓደ እዋን ግን ፍቓዶም ሓቲተ ቀዳምነት እህቦም።
ኣብ'ዚ ዓዲ ኩሉ ጽቡቕ ብምዃኑ፤ እዚ እንተዝቕየር ዝብሎ የብለይን ግን፡ ከም በዓል ማሕበራዊ ሂወትናን ናይ ምትሕግጋዝ ባህልናን ዝኣመሰሉ እንተዝውሰኸሉ ጽቡቕ ምኾነ።

ምንጪ ስእሊ, Sofia
ትምኒት
ናይ ፈለማ ውላደይ ኣብ ዝሓረስኩሉ እዋን ብኸቢድ ጽምዋ ዝተጠቓዕኩሉ እዋን ብምንባሩ ሃንደበት በሪረ ዓደይ ክኽይድ ዘይምኽኣለይ ኣሕዚኑኒ ኔሩ። ሰብ ዝጸማእኩሉን ዝተፈተንኩሉን ጊዜ ብምንባሩ።
ብዙሕ ጊዜ ንዓደይ'ኳ እንተተመላለስኩ ኣብ ጊዜ ዒድ ግን ከይደ ኣይፈልጥን። ኣብ ድላይካ ተላዒልካ ምኻድ ዝከኣል ኔሩ እንተዝኸውን ነፊረ ኣብ ሕቑፎ ኣደይ ክዓርፍ ምደለኹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







